ብርክት ዝበላ ዓለም ለኻዉያን ትካላት ብምኽንያት ቅልዉላዉ ኢትዮጲያ ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ይቕይራ ምህላወን ተገሊፁ።

ብምኽንያት ዘይቅርዑይ ምሕደራ ስርዓት ኢትዮጲያ፡ እታ ሃገር ኣይካብ ቁጠባ፣ ዲፕሎማሲ፣ሰላምን ምርግጋዕን ዞርሞ ዘርሞ ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ድማ በቲ መሬት ዝዘበጠ ዲፕሎማሲ ኢትዮጱያ ብርክት ዝበላ ዓለም ለኻዉያን ትካላት ብዘለወን ስግኣት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ይፈሳ ምህላወን ተፈሊጡ ክትብል ትግራይ ሚድያ ሃዉስ TMH ፀብፂባ።

ኢትዮጲያ፡ ድሕሪ ኩናት ትግራይ ምዉልዑ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጠረ ኩለመዳያዊ ሕንፍሽፍሽ ‘ ኣፍሪካዊት ዮጎዝላቭያ ‘ ተባሂላ ክትፅዋዕ ክኢላ እያ።

እቶም ካብ ኢትዮጲያ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ዝዞሩ ዘለዉ ዓለም ለኻዉያን ትካላት ማሕበረሰብ ኬንያ ብኣግባቡ ብምቕባልን ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪቃ ንምዃን ኣብ ምሽብሻብ ከምዘላን ተገሊፁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ንማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፡ ንዉድብ ሑቡራት መንግስታት ; ንዞባዉያንን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ኩናት ትግራይ ብዘስዐቦ ቅልዉላዉ እቶም ትካላት ናብ ሃገሩ ክኣትዉን ክወፁን ከምኡዉን ኣብ ኬንያ ቢሮ ኸፊቶም ስራሕቶም ዘሳልጥሉ ቅድመ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ፀብፃብ TMH ኣመላኺቱ።

ነዚ ስዒቡ እዉን እታ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመት ኣብ ልዑልን ዉሑልልን ዝኾነ ዲፕሎማሲ ተንሳፍፍ ዝነበረት ኢትዮጲያ ኣብዪ ኣሕመድ ባዕሉ ብዝወለዖ ሓዊን ዘኸተሎ ዉድቀትን ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ ናይ ምዃን ዕድላ ተመናሚኑ ብሃገረ ኬንያ ክትምንዛዕ ከምእትኽእል እናተገለፀ እዩ።

ቅድም ኢሉ ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣቶንዮ ብሊንከን ናብ ኬንያ ዑደት ምግባሩን ነዚ ምንቅስቓስ ዘጠናኽር ከይዲ ምዃኑን ግምታት ከምዘለዉ እዉን ተገሊፁ እዩ።

ብሰንኪ ብልሽዉን ዘይብሱሉን ምምሕዳር ስርዓት ኢትዮጲያ እታ ሃገር ናብ ከቢድ ሓደጋ ትወድቕ ምህላዋ ዘመላኽቱ መርኣያታት ብምብርኻቶም ሐዚ ማሕበረሰብ ዓለም ዝነቐሐን ዝተበራበረን ይመስል።