ንኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ዝህብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ስርሑ ደው ከብሎ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ብፍላይ ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋን ክባን ብምዃኑ ተሓከምቲ ዘድልዮም ግልጋሎት ብዘይምርካቦም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበረ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣቃሊሑ።

ካብ መላእ ትግራይን ከምኡውን ጎረቤት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝመፁ ወገናት ሓዊሱ ንልዕሊ 10 ሚሊየን ተሓከምቲ ግልጋሎት ይህብ ከም ዝነበረ ዝግለፀሉ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብዚ ሒዚ ሰዓት በሰንኪ ዘሎ ዕፅዋ ግልጋሎት ናብ ዘይህበሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሆስፒታል ስፔሻሊስት ሕክምና ህፃናት ዶ/ር ኣማኑኤል ሓዱጉ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ህፃናት ድሕሪ ኩናት ብ 3 ዕፅፊ ከምዝወሰኸን ብሰንኩ ድማ ሞት ህፃናት የጋጥም ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት ዶ/ር ኤፍሬም በርሀ ብወገኑ ሆስፒታል ዓይደር በሰንኪ እቲ ዕፅዋ እቶም ዝነበርዋ መሰረታዊ ዝበሃሉ ግልጋሎት ብምስኣኑ ተሓከምቲ እውን ብሰንኪ እቲ ዘሎ ቁጠባዊ ሕፅረት ኣብ ሰዓቶም ሕክምና ስለዘይመፀ ንሞት ከም ዝቃልዑ ገሊፁ።

መተሓባበሪ ፋርማሲ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ቅድሚ ሐዚ ንተሓከምቲ ካብ 75–80 ሚኢታዊ ቀረብ መድሓኒት ከምዝነበረን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ግን 20 ሚኢታዊ እውን ክሽፍን ከምዘይክኣለ እውን እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ሰብ ሞያ ሕክምና ሪፈራል ሆስፒታል ንተሓከምቲ ግቡኡ ግልጋሎት ክህቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ሰነ ልቦናዊ ፀቕጢ ኣለው ዝበሉ መተሓባበሪ ፋርማሲ ኣይተ እምባየ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሕፅረት መድሓኒት፣ፀገም ናውቲ ሕክምናን ሕፅረት ምግብን ብምርዳእ ቅልጡፍ መፍትሒ ክህብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ፀዊዑ።