ኣብ ትግራይ፡ ሓደሽቲ ኣባላት ኮማንዶ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተመሪቖም።

እቶም ዕሉላት ደመኛታት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ስርዓታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ከምኡዉን ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን መሊእኻ ንምቅባፅን ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ናብ ቦቱኡ ንምምላስን ድሉዋት ምዃኖም ተመረቕቲ ኣባላት ኮማንዶ ትግራይ ገሊፆም ክብል ቴሌቭዥን ድምፂ ወያነ ሓቢሩ።

እዞም ኣባላት ኮማንዶ ሰራዊት ትግራይ እቲ ክወስድዎ ዝፀንሑ ስልጠና ብቑዕ ዓቕምን ክእለትን ከምዘኻዕበቱ ድሕሪ ምሕባር ሐዚ ነቲ ዝዓበየ ልእኽቶ ንምፍፃም ተዳሊና ኣለና ኢሎም።

ብተወሳኺ ብቲ ዝረኸብዎ ወታደራዊ ሙያን ኣተሓሳስባን ተጠቒሞም ሓላፍነቶም ብዝግባእ ተዋፂኦም ሕነ ህዝቦም ከምዝፈድዩ ኣረጋጊፆም።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብኹሉ ሸነኽ ገጢሞም ኣብ ከቢድ ክባን ዕፅዋን ይኽኣቱ እንትገብሩ መናእሰይ ትግራይ ድማ ናብ ሜዳ ብምዉሓዝ እኹል ዓቕምን ክእለትን ብምዉናን በቢዉዳበኦም ዕድመ ፀላእቲ ንምሕፃር ይረባረቡ ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ እዉን ሳላ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ዓበይቲ ዓወታት እናተመዝገቡን ፀላእቲ ካባ ሕፍረት እናተጎልበቡን ይርከቡ።