ኲናት ትግራይ ደው ንምባል ስጉምቲ ክውሰድ ዝቐረበ ምሕፅንታ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ እቲ ሽግር ሰማይ ክጋደድ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፖ ጆሴፍ ቦረል ፣ ድሕሪ እቲ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፣ “እዚ ኹሉ ዓመት መመላእታ ግፍዕታት ይፍፀም ኣሎ እናበልኩም ዝሃብኩምዎ ምሕፅንታ ፣ ሸለል ስለ ዝበልናዮን ደው ክነብሎ ብዘይምኽኣልናን እነሆ ኲናት ትግራይ ሕጂ ናብ ዝኸፍአ ሽግር በፂሑ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

ከምኡ እውን ልክዕ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ንምውሳን ኩለን ሃገራት ተመሳሳሊ ቅዋም ክሕዛ ስለ ዘለወን እዩ ፣ ቁርፅ ዝበለ ውሳነ ንምሃብ ሽግር ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣረዲኡ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ “ገበን ኩናት ዝመስል” ክብል ዝፀውዖ “ጄኖሳይድ” ዳግም ንክርአን ካልኦት ዛዕባታትን ንምርኣይ ዝቕፅል ዓርቢ ኣኼባ ክካየድ ምፅውዑ ዘገባ ፍለጥ እዩ።

እቲ ዝቐረበ ፃውዒት ድማ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ነዚ ገበን ዝፈፀመ ምዃኑ ካብ ብገንኡ ባዕሉ ዝምስክር ዘሎ ስርዓት ኣቢ ኣሕመድን መላፍንቱን እቲ ኣኼባ ከይካየድ ምፅውዑ ዝፍለጥ እዩ።