ፌስቡክ; ኣብ ኢትዮጵያ ተጻቦኦታት ክጎሃሃርን ዝነበሮ ግደ ብዝምልከት ዘይሻራዊ ጽንዓት ከካይድ  ነዚ ተባሂሉ ዝተጣየሸ ናይ ክትትል ቦርድ ጸዊዑ።

እቲ ቦርድ ስጉምቲ ኣልቦ ተግባር ፌስቡክ ብግልጺ ከምዘሎ ዝሓበረ እንትኸውን ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ኩናት ናይ ጽልኣት ዘረባ ኣብ ምብታንን ዘይተጻረዩ ዘረባታትን ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምዝራእን ዝነበሮም  ግደ ክምርመር ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቦርድ እዚ ዝበለ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብኣምሓርኛ ሰራዊት ትግራይ ብሰላማዊያን ተጋሩ እናተሓገዙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ህጻውንቲን ደቂ ኣንስትዮን ዓሚጾሙን ቀቲሎሙን እዮም ዝብል ብሕሶት ዝተለጠፈ ጽሑፍ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ እንትኸውን እቲ ብኣምሓርኛ ዝተለጠፈ መልእክቲ ኮነ ተባሂሉ ዓመጽ ንምልዓልን መጥቃዕቲን ንምልዕዓልን ዝተገበረ ከምዝኾነን እቲ ጽሑፍ ካብ ፌስቡክ ክውገድ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቡ። እቲ ጉዳይ ብተደጋጋሚ “ይግባኝ” ናብቲ ቦርድ ምስ በጸሐ እዩ ነዚ ክብል ዝኸኣለ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጸለመን ናይ ጽልኣት ዘረባን(hate speech) ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብሰፊሑ ኣብ ፌስቡክ ዝተገበረ እንትኸውን ነዚ ኣመልኪቱ ፌስቡክ ምንም ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ነቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተገሃሀረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝበጸሐ መጥቃዕቲን ዓብይ ግደ ተጻዊቱ እዩ ብዝብል ኣብ ቀረባ እዋናት እቲ ትካል ኣብ ከቢድ ወጥሪ ወዲቁ ይርኸብ።