ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ኣስታት 28 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ኣብ ህይወትን ንብረት ከቢድ ዕንወት ከምዘብፀሐ ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀብፂቡ።

በቲ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፋርትን ድሮንን ዛጊድ 28 ንፁሃን ሰባት እንትሞቱ 76 ድማ ብኸቢድ ከምዝቆሰሉ ተገሊፁ።

ግዳያት እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ኣብ ዕዳጋ ከምዝተፈፀመን ኣብ ታሪኽ ከመዚ ዓይነት ሰትጣናዊ ተግባረ ኣጋጢሙዎም ከምዘይፈልጥን ገሊፆም።

እዞም ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታት ጥፍኣት መሊኦም ከይተቐበሩ ሰላም ክርከብ ከምዘይኽእል ዝገለፁ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኩሉ ናብ ቃልሲ ብምኽታት እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ድማ ፣ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ፣መንበሪ ኣባይቲ፣ትካላት ልምዓትን ይፍፅሞ ዘሎ ደብዳባት ነፈርትን ድሮናትን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹኑኖን ነዚ ጉጅለ ዝሕግዛ ሃገራት እዉን ኢደን ካብ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝበፅሕ ግፍዒ ክስሕባን ፅዕንቶ ክፈጥር ፀዊዑ ኣሎ።

እቲ ስርዓት፡ ቅድም ኢሉ እውን ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ግምባር ዝበፅሖ ስዕረት ኣብ መንበሪ ሰለማውያን ነበርትን ማእከላት ዕዳጋን ተደጋጋሚ ደብዳባት ነፈርቲ ከምዝፈፀመ ዝፍለጥ እዩ።