መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ፡ ተግባር ምስይጣን ብሄረ ተጋሩ ከምዝቐፀልሉ ተገሊፁ

ኣብ ቤተ እምነት ናብ ፈጣሪ ፀሎት ከቕርብ ዝተኣከበሉ መእመናን ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣምሓራ ንተጋሩ ክትፈርሑ የብልኩምን ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ፀራሪግኩም ኣባሪርኩም ከባቢኹም ኣኽብሩ ክብሉ ብመጋዉሒ ድምፂ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ሃረርጌን ጅግጅጋን ኣባ መቃርዮስ ብብደዐ ተዛሪቦም።

እቶም ጳጳስ ንኢትዮጲዪ ኮ ከም ኢትዮጲያ ኮይና ክትፀንሕ ዝገበረ ‘ ኣምሓራይ ‘ እዩ ድሕሪ ምባል ካልእ ብሄር ከምዘየድሊን መሰል ከምዘይብሉን ኣብ መደረኦም ወሲኾም ገሊፆም።

ቀፂሎም እዉን ሰሜን ጎንደር ዓዲ ጀጋኑ እዩ ንጁንታታት ኣይትፍርሑ ተዓጢቕኩም ኣብ ዓዲ ኣርቃይ ; ዛሬማን ቆላ ወገራን ዘለዉ ፀራርግዎም ብምባል ህዝቢ ንኲናት ክለዓዓል ኣዚዞም።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ‘ ገዳም ዋልድባ ‘ ናትና እንድዩ ብምባል ዋልድባ ንትግራይ ኣረኪቡ ኣብዚ ዕንይንይ ዝብልን ስዋ እናጨለጠ ዝዉዕልን ኣምሓራይ ክህሉ የብሉን ክብሉ ነቲ ጥንታዊ ገዳም ተጋሩን መንበሪ ገዳም ፈለስቲ ተጋሩን ዝኾነ ገዳም ንምጉባጥ ባህጊ በሊዑ ዘይፀግብ ተስፋሕፋሓይ ኣምሓራ ኣንፀባሪቖም።

ቅድም ክብል ዕድመ ልክዖም ኣብ ጥንታዊ ገዳምን ዋልድባ ከገልግሉ ዝፀንሑ ልዕሊ 500 ፈለስትን ኣገልገልትን ተጋሩ ብምዃኖምን ብሰንኪ መንነቶምን ብሓይልታት ኣምሓራ ብግፍዒ ከምዝተባረሩን ቁፅሮም ዘይተፈልጡ ድማ ከምዝተቐተሉን ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ብፍላይ ድማ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክንዲ ሰላም ምስባኽ ኩሉ ኢትዮጲያዊ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክለዓል ብምግባር እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ከምዘለዎም ይግለፅ።

ብምኽንያት እዚ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ምስ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሓደ ዝገብረና ዝኾነ ዓይነት ምድራዊ ሓይሊ የለን ብምባል ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝርከቡ ተወከልቲ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናፍለጡ መፅዮም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተጋሩ ንዘመናት ኣብ ዘይትዉክሎምን ንቀታሊቶምን ዝኾነት ዓዲ መዋለ ንዋዮም እናፍሰሱ ምምፅኦም ጣዕሳ ዝፈጠረሎም ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ስለዝኾነ እዉን ካብ ደጊም ካብዛ ድርዕቶ ዝኾነት ኢትዮጲያ ትበሃል ዓዲ ዘናግፎም ብናይ ባዕሎም ቋንቋ ዘምህርሉን ዝዓብዩሉን ኣብያተ እምነት ኣብምምስራት ከምዘለዉን ገለ ካብኣተን ወሱናት ድማ ስሩዕ ግልጋሎት ከምዝጀመራን ይፍለጥ።