ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ መቕተልትን ጅምላዊ ማእሰርትን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ክትብል ገሊፃ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ መቕተልቲ፣ ምስጓግ ዜጋታትን ጅምላዊ ማእሰርትን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ክትብል ገሊፃ።

እቲ ብሓይልታት ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲ ተጋሩ ኣብ መዳጎኒ ቦታታትን ምፍንቓልን ኣዝዩ ከም ዘሻቐላ ገሊፃ።

ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ነድ ፕራይስ ከም ዝሓበሮ ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር 1.2 ሚልዮን ተጋሩ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክፈናቐሉ ተገዲዶም እዮም።

ሰበ ስልጣን ኣምሓራ እቲ ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰታት ደው ንከብሉን ኤርትራ ድማ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንክተውፅእ ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ነድ ፕራይስ ፀዊዑ።

ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኲናት ወታደራት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ብ ሚልዮናት ዝቑፀር ሰብ ካብ መረበቱ ንክፈናቐል፣ ብምኽንያት ዝተገበረ ዕፅዋ ሰብ ስራሕ ጥምዬት ንክፍጠርን ህፃውንቲ ክሞቱን ብምግባር፣ መናእሰይ ብምርሻን፣ መሰረተ ልምዓት ብምዕናውን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማፅን ገበናት ኲናትን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም።