ስርዓት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ክባን ኣእትዩ ዝፍፅሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ተሓቲቱ።

ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ክባን ኣእትዩ ዝፍፅሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዖም።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ህዝቢ ብመንነቱ ምኽንያት ብጅምላ ይቕተል፣ ይእሰርን ይፈናቐልን ምህላው ዝጠቐሰ መግለፂ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን እዚ ተግባር ምፅናት ዘርኢ ንምዕጋት ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝነብሩ ተጋሩ መንነት መሰረት ዝገበረ ጅምላዊ ማእሰርቲን ዕስላዊ መቕተልቲን ይበፅሖም ብምህላው እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ መንግስታዊ ፖሊሲ ኮይኑ ምዝላቑ ከምዘመላኽት እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ዕፅዋ፣ ዓፀቦ፣ ፆታዊ ዓመፅን ክልከላ ቀረብ ግልጋሎት ጥዕናን ከምመሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብትሉም ሜላ ካብዝሰርሑ ዓመት ከምዝተቖፀረ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ‘ኣተሓሳሲቡና’ ካብዝብል ሻቕሎት ወፂአን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ዘኽእል ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ሓቲቱ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜት፣ ስእነት መድሓኒትን ግልጋሎት ጥዕናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ ብሰብ-ሰራሕ ዕፅዋን ክባን መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብምዃኑ ማሕበረዘብ ነዚ ሰብ ዝፈጠሮ ቅልውላው ምፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ታሪኻዊን ሞራላውን ተሓታትነት ከምዘስዕብ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣቦ-ወንበር ቦርድ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገረዝጊሄር ህዝቢ ትግራይ ንልምዓት ዓዲ ንዝፈፀሞ ልዑል ኣበርክቶ ብመንግስቱ ከምዝተኽሓደ ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ወረርቲ ሓይልታት ወፃኢ ዓዲሞም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ክልላትን ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ኣዋዲዶም “ኣብ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዘይተርኣየ ብባህርያቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሙ” ክብል ሓቢሩ።

ኣይተ ተስፋይ ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ማሕበረሰብ ዓለም ከይድገም ኢሉ ኣብ ፀሊም መዝገብ “ካብ ዘስፈሮም ምፅናት ዘርኢ እስራኤላውያንን ሩዋንዳን ኣዝዩ ዝኸፈአን ዝተፈለየን” ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ማሕበርሰብ ዓለም ገበነኛታት ዓለምለኻዊን ኣህጉራዊን ሕግታት እናጠሓሱ ‘የተሓሳስበና’ ዝብል ሻቕሎት ዝተሸኸለ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተኣወጀ ፅንታ ንምዕጋት ግብራዊ ስጉምቲ ብዘይምውሳድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይተሓባበሩ ብምህላዎም ታሪኻውን ሞራላውን ተሓታትነት ከምዘስዕበሎም እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ግልጋሎትን ማሕበረሰብ ዓለምን እዚ ሰብ-ሰራሕ ዕፅዋ፣ ዓፀቦን ምፅናት ዘርኢን ንምዕጋትን ሰብኣዊ ድጋፍ ንክኣቱን ዝተዋደደ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶም።