ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ብሓሳብን ተግባርን ብምምርሑ ዝነበሮ ጥምረት ከምዘቋረፀ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጡ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኣህጉረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ኣብያተ እምነት ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተቓፀለን መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ኣብያተ መቅደስ እናተሓረዱን ስቕታ ዝመረፀ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዝመርሐሉ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ቅቡልነት ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

ንትግራይ ዝወረሩ ሓይልታት ኣብያተ-እምነት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ዕላማ ብምግባር ሃይማኖታዊ እሴታት ትግራይ ንምዕናው ኮነ ተባሂሉ ከምዝተሰረሐሉ ዝገለፁ መራሕቲ ኣህጉረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ምስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ርክብ ከምዘቋረፁ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ኣቕሽትን ካብ ገዳማት ወፂኦም ዘይፈልጡ ፈለስቲን ክቕተሉን ካብ ገዳም ክወፁን ከምዝተገበረ ዝሓበረ እቲ ደብዳቢ መሰረት እምነት ክርስትና ናብ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ማርያም ፅዮን ኣክሱም ክስዕሙ ዝመፁ ኣመንቲ እውን ምፅናት ዘርኢ ተፈፂሙ ብወተሃደራት ብግፍዒ ምርሻኖም ስዒቡ ሲኖዶስ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን እስልምና ትግራይ ተመሳሳሊ ግፍዕታት እንትፍፀም ስቕታ ዝመረፀ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፉ እውን ሃይማኖታዊ ልእኽቶ ንፖለቲካዊ ረብሓ ብዘውዕሉ ኣባላት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ምፅናት ዘርኢ ምድጋፉ እቲ ደብዳቤ ጠቒሱ።

ኣብ ኣድባራትን ገዳማትን ኣዲስ ኣበባ ንዘመናት እናገልገሉ ዝፀንሑ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ብምኽንያት መንነቶም ጥራሕ ብጅምላ ብምእሳር እቲ ዝነበርሉ ቤተ ስብከት ብተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ጎጃምን ከምብሓዱሽ ክምደቡ ከምዝተገበረ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ደብዳቤኦም ሓቢሮም።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ብስም ሃይማኖት ፖለቲካዊ ሸቶ ሒዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ዝኣወጁን ዝፈፀሙን ኣካላት ጥምረት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብሃይማኖታዊ መስርሕ ክሕተቱ ብተደጋጋሚ ምፅውዑ ዋና ፀሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይን ምክትል ኣቦ-ወንበር ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይን ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ ሓቢሮም።

ሓጂ መሓመድ ወሲኾም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ነቲ ፃውዒት ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ብዘይምህላውን ትካላት ሃይማኖት መፈፀሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ንዝገበሩ መሪሕነት ሃይማኖት ብዘይምእርናቡን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ምፅናት ዘርኢ ብትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይምራሕ ብምህላውን ምስቲ ትካል ዝነበሮም ጥምረት ከምዘቋረፁ ኣብሪሆም።