ሓበሬታ ሞተር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓበሬታ ኣብ መቐለ በቢከባቢኡ ዕዳጋ መፂኻ ዝሽመተሉ ብርኪ ከምዝተበፀሐ ዝተዛረቡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ቪድዮታት ዜና፣ ኣገደስቲ ቃለ-መሕተታትን ዝተመረፁ ፅሑፋት ፌስቡክን ክሽምቱ ከምዝመፁ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ሮማናት ከተማ መቐለ ሓበሬታ ኣብ ምብፃሕ ዝተዋፈረ ኣይተ ደምሳስ ገብረማርያም “እዚ ወራር ካብዝጅምር ህዝብና ምግቡ ሓበሬታ እዩ ኮይኑ ዘሎ” ብምባል ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝነበራ ሚድያ ምዕፃወን ስዒቡ ቲ ኤም ኤች፣ ኣሰና፣ ኣክሱማይትን ካልኦት ሚድያታትን ዘውፅእዎ ዜናታትን መደባትን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ እናሃለው ኣትሒዙ ምስ ኣዕርኽቱ ሓበሬታ ብምቅብባል ናብዚ ስራሕ ዝኣተወ ኣይተ ደምሳስ ጭቡጥ ኩነታት ቃልሲ ንምፍላጥ ኢሉ ዝጀመሮ ሎሚ “ባዕሉ ንግዲ ኮይኑ መፂኡ ኣሎ” ክብል ሓቢሩ።

ህዝቢ ቀረብ ግልጋሎት ኢንተርኔት ስለዘይብሉ “ንሕና ኢንተርኔት ክረኽቡ ካብ ዝኽእሉ ሰባት እናተቐበልና ምስልታት ካብ ቴሌቭዥን እናቀዳሕና ኢና ንሸይጥ” ኢሉ።

ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለዘመን “ኣባና ብዘሎ ተሞክሮ ሓበሬታ ካብቶም መሰረታዊ ድሌታት ወዲሰብ ሓደ ኮይኑ ኣሎ ምባል ይከኣል” ዝበለ ኣይተ ደምሳስ ብባህሊ እውን ዝነበረ ይኹን እምበር ሎሚ ዕፅዋታት መራኸቢ ንምፍንፃሕ እዋናዊ ሓበሬታ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ እናሃለወ ብሕቡእ ሓበሬታ ምብፃሕ ዝጀመረ ኣይተ ኣታኽልቲ ተስፋይ “ከም ሓደ ትግራዋይ ንባዕለይ ሓበሬታ ንምርካብ ዝኸዶ ዝነበርኩ ነዊሕ ድኻም ንዘይረኽብዎ ኣካላት ብምሃብ ከምኡ እናበለ ስራሕ ኮይኑ” ክብል ተዛሪቡ።

“ሓበሬታ ምብፃሕ ከምስራሕ ምስጀመርክዎ ህዝቢ ትግራይ ሃላዋት ቃልሱ ኣብ ሓበሬታ ምድራኹ ተረዲአ” ዝበለ ኣይተ ኣታኽልቲ በቢመዓልቱ ንኣማኢት ተጋሩ ሓበሬታ ብምቕባል ፀላእቲ ዝደገስዎ ስነ-ልቦናዊ ኲናት ኣብ ምምካት እጃሙ ምብርካቱ ከምዘሐብኖ ተዛሪቡ።

ልዕሊ 50 ሚእኤታዊ ኲናት ብስነ-ልቦናዊ ኲናት ከምዝውገን ዝሓበረ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ርክባትን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሕሉፋት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ንምክያድ ዘኽእሎ ስነ-ልቦናዊ ኲናት ከምዘካየደ ጠቒሱ።

እቲ ወራር ምስተኸፈተ ድወትን ትግራይ ቲቪን ክሳብ ሕዳር 25 2013 ዓ.ም ግእዝ ኣብ በረኻ ኣብ መረረ ጫሞ ዝበሃል ቦታ ኾይነን ይሰርሓ ምንባረን ብምግላፅ እቲ ውግእ እናበርተዐ ምስ ከደ ክፍተት ሓበሬታ ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ።
“እዚ ሓጓፍ ሓበሬታ ንምምላእ ቀንዲ ዝተዋስኣ ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ቲ ኤም ኤች፣ ደደቢት ሚድያ፣ ኣክሱማይት ሚድያ ከምኡ እውን ኣሰና እዚኣቶምን ብውልቀ ዝንቀሳቐሱ ብሎገርን ግቡእ” ግደኦም ከምዝተዋስኡ ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ተረዳድኦ ኣንፈት እቲ ቃልሲ ይንፅርን ይዋሳእን ምንባሩ ብምሕባር ብፀላእቲ ዝተኣደነ ሰፊሕ ስነ-ልቦናዊ ኲናት ጭቡጥ ኩነታትን ህልው ሓቅን ብዘቕርባ ውሑዳት መራኸብቲ ማዕኸናትን ንጡፍ ተሳትፎ ቃልሲ ዲያስፖራን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሸትኡ ከምዝበፅሕ እምነቱ ገሊፁ።