ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትካላት ጥዕና መቐለ ካብዝተመርመሩ ሰባት እቶም 42 ሚእታዊ ንቫይረስ ኮሮና ምቅልዖም ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምልክታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተራእይዎም ኣብ ትካላት ጥዕና መቐለ ካብ ዝተመርመሩ 361 ሰባት እቶም 151 ወገናት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወት ትካላት ጥዕና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ክባን ዕፅዋን ስዒቡ ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን ቫይረስ ኮሮና ፈታኒ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 42% ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ኣብሪሁ።

ንመቐለ ሓዊሱ መብዛሕትኦም ከባብታት ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓራ ምውፀኦም ስዒቡ ብዝተኻየደ ምንቅስቓስ ዳግማይ ምጅማር ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መቐለ ካብ 21 ሰነ 2013 ክሳብ 5 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ግእዝ ጥራሕ 7463 ሰባት ተመርሚሮም እቶም 2064 በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ እቲ ቢሮ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ምጅማር ዳግማይ ምርመራ 47 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝሞቱ ዝጠቐሰ ቢሮ ጥዕና ትግራይ 127 ሰባት ኣብ ቀሊል ክንክን ሕክምና ገዛ ንገዛ ከምኡ እውን 7 ኣብ ማእኸል መሐከሚ ክትትል ይግበረሎም ምህላው ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ቀረብ መድሓኒትን ግልጋሎት ጥዕናን ንቫይረስ ኮሮና ኣዝዩ ዘጋድድ ኩነታት ብምህላው ሕብረተሰብ እኩብ ሰብ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ቦታታት ማስክን ካልኦት ሜላታት ምክልኻል እቲ ቫይረስ ክጥቀም ከምዝግባእ ምዒዱ።