ስርዓት ኢትዮጲያ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ኣብ ከተማታት ምላዛት ማይጨውን ኮረምን ኣካይዱ።

ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መንበረ ቅዲሳን ቁሸት ምላዛት ኣብ እትበሃል ቦታ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ኣብ ዝነበረ ህዝቢ ማእኸል ጠጠዉ ኢላ ዝነበረት ታክሲ ብድሮን ድሕሪ ምዉቃዓ ኣብቲ ዕዳጋ ዝፀነሐ 23 ዜጋታት እንትሞቱ ልዕሊ ሸሞንተ ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዝበፀሖም ምንጭታትና ገሊፆም።

ከም ወረዳ እንደርታ ድማ ክሳብ ሐዚ ጣብያ መሰቦ ; ዓራቶ ; መንበረ ቅዱሳን ; ማሕበረ ገነት ; ደብረ ናዝሬት ደብረ ቅብእን ካልኦትን ከባቢታት ልዕሊ 12 ጊዜ ደብዳብ ተፈፂሙ ብድምር 94 ንፁሃን ወገናት እንትሞቱ ልዕሊ 297 ድማ ኣብ ከቢድ መጉዳእቲ ከምዝርከቡ ሓላፊ ምምሕዳር ወረዳ እንደርታ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ገለፁ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ማለት እዉን ትማሊ 11 ታሕሳስ ኣብ ከተማታት ማይጨው ኮረምን ብዝፍፀሞ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን እዚ ዜና ክሳብ ዝተጠናኸረሊ ሰዓት 18 ሰላማውያን ሰባት እንትሞቱ 11 ድማ ከምዝቆሰሉ ቴሌቭዥን ትግራይ ኣቃሊዑ ፡፡

ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሃገራት ዓረብ ኢማሬት፣ቻይናን ቱርክን ዝተሓርጎተን ድሮናትን ነፈርትን ትማሊ11 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኮረም ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም፣መዕርፎ መካይን ኮረምን 7 ግዜ ብምምላስ ዝደብደባ እንትኾና 15 ሰላማውያን ሰባት እንትሞቱ 4 ድማ ምቑሳሎም ወኪል ቴሌቭዥኝ ትግራይ ካብቲ ቦታ ዘብፀሖ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ማይጨው ብዝፈፀምኦ ደብዳብ ድማ ሰለስተ ሰላማውያን ሰባት እንትሞቱ ሸዉዓተ ድማ ምቑሳሎም ተረጋጊፁ ኣሎ።

ኣብዚ ቅነ ኣብ ከባቢ ደቡብ ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ፅዕፁዕ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ እዉን ህዝቢ ከም ህዝቢ ንኽጠፍእ ዝዓለመ ተግባር ጥፍኣት ምዃኑ ቤተሰብ እቶም ግዳያት ገሊፆም እዮም።

ቅድም ኢሉ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ዝነበረ ህዝብን ኣብ ማእኸል ከተማ ንዝፀነሐን ብዝተገበረ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ልዕሊ 30 ሰባት ሂወት ጠፊኡ እዩ።