ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ለቂቆም ምውጾኦም ዝነኣድ ስጉምቲ ከምዝኮነ ኮንገረስማን ብራድ ሸርማን ገሊጾም።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ተቆጻጺሮምዎ ዝነበሩ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ምልቃቆም ስዒቡ ዝሃብዎ መግለጺ ትክክለኛ ስጉምቲ ከምዝኮነ ኮንግረስ ማን ብራድ ሸርማን ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ትግራይ ብዓርሰ ምትዕርራይ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ንምግላጽን መገዲ ንምክፋትን ካብቶም ተቆጻጺርዎም ዝነበሩ ከባቢታት ምውጹኡ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ወገናትን እቲ ስጉምቲ እናነኣዱ ዝርከቡ እንትኸውን ብኮንገረስ ማን ብራድ ሸርማን ስዒቡ እቶም ኣብ ተጻብኦ ዝርከቡ ወገናት ካብ ተጻብኦ ክዕቀቡ፣ ውግእ ከቃርጹን ሰብኣዊ ሓገዝ በዘይገደብ ክኣትው ክፈቅዱን ጸዊዖም።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኣሜርካ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጹኡ ከምዝቅበልን ንዲፕሎማሲ በሪ ዝኸፍት ከም ዝኮነ ኣፍሊጣ። ወሃቢ ቃል ዲፓርትመንት ስቴት ኔድ ፕራይስ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መንግስቲ ኣሜርካ ብተመሳሳሊ እዚ እናጸወዐ ዝጸነሐ እዩ ዝበለ እንትኸውን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነቲ ተቆጻጺርዎ ዝጸነሐ ቦታ ለቂቁ ምውጹኡ ዝነኣድ እዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንዝሓዝዎ መሬታት ኣምሓራን ዓፋርን ገዲፎም ናብ ዶብ ትግራይ ክምለሱ ትእዛዝ ምሃቡ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝኸር።