ኢትዮጲያ ካብ ኤርትራ ቀጺላ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝእሰሩላ ሃገር ተባሂላ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ተሰሪዓ።

ብተሸላሚ “ናይ ሰላም ኖቤል” እትምርሓን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀት ኢትዮጲያ  ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሚድያን ጋዜጠኛታት ብዙሓት ገደባት ከምዝነበሩ(ከምዝተቀመጡ) ሲፒጀይ ኣፍሊጡ።

ከም ጸብጻብ ሲፒጀይ ኢትዮጲያ ካብታ ካብ ዓለም ተፈልያን ዝኾነ ይኹን ናይ ሚድያ ነጸነት ዘይብላን ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትፍለጥ ኤርትራ ቀጺላ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ከምእትርኸብ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ጥራሕ ብውሕዱ ልዕሊ 45 ጋዜጠኛታት ዝተኣሰሩ እንትኾኑ ሽዱሽተ ድማ ብሰንኪ ናይ ጋዜጠኛ ስርሖም ከምዝተቀተሉ ሲፒጀይ ኣቃሊዑ።

ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ንመንግስቲ ኢትዮጲያን ንውድብ ብልጽግና ዝምልከቱ ሕቶታት ዘልዓሉ ትሸዓተ ጋዜጠኛታት ዝተኣሰሩ እንንትኾኑ ናይ ሓደ ሓዲኦም ሃለዋት ከምዘይፍለጥን ምናልባት እውን ናብ ኤርትራ ከምዝተወሰዱን ይዝረብ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ስዒቡ ማይ ዘይቃጽር ሕሶቱ ንዘቃልዑ ጋዜጠኛታትን ሚድያታትን ስጉምቲ ክወስድ ዝጸነሐ እትኸውን ኣብ ልዕሊ ናይ ትግራይ ህዝቢ ይድግፉ እዮም ዝበሎም ጋዜጠኛታትን ካብ ኣካላዊ ጥቅዓትን መቅተልን ካብ ምእሳር ዝበጽሕ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይርኸብ።