ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዝበለ ሕብራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሽቆልቆለ ዝከይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅናስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ዓለም ዝከኣሎም ዋላ እኳ እንተገበሩ ሐዚ እውን ብህጹጽ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ይኣትው ከምዘየለ ምክትል ዋሃቢ ቃል ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ፋራን ሃክ ተዛሩቡ።

ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ እየን ኢሉ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሐዚ ግን ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ናብ ትግራይ ምእታው ከምዘይተከኣለ ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለየ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 መኻይን ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ተሓሲቡ ዋላ እንተነበረ እቲ ሓገዝ  ካብ ከተማ ኣብዓላ ክንቀሳቀስ ከምዘይከኣለ ፋራን ሃክ ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ሐዚ እውን ዝተፈላለዩ ጸገማት እናጋጠምዎ እዮም ዝበለ ፋራን ሃክ እኩል ዝኮነ ቀረብ፣ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ይኣትው ከምዘየለን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሰብኣዊ ሓገዛት ነጻን ተበጻሒን ክገብር ጺዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ደብዳባት ይግበር ከምዘሎን በእቲ ደብዳብ ብርክት ዝበለ ግዱኣት ከምዝበጸሐን ፋራን ሃክ ኣብ ጸብጻቡ ዝከታተ እንትኸውን ኣብ ምዕራብ ትግራ ሐዚ እውን ብርክት ዝብለ ህዝቢ ኣብ ምፍንቃል ከምዝርከብ ሓቢሩ።