ምኽንያቱ ዘይነፀረ ምምላስ ሰራዊት ትግራይን ምዕባለታት ኲናትን

ሰራዊት ትግራይ ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቖፃፂርዎ ካብ ዝነበረ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣንሳሒቡ ናብ ዶባት ትግራይ ምምላሱ ምስተገለፀ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፣ ተንተንትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ሕቶታት ከልዕሉ ተራእዮም እዮም። ንምንታይ? እንታይ ብምትእምማን ዝብሉ ዛዕባታት ብብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ይለዓሉ ኣለዉ።

ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቡ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ዝገበረ ውሃቢ ቃል ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ዝተወሰነን ዝተሓሰን መልእኽቲ ኣካፊሉ ኣሎ። እቲ ሓደ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ ንሰላማዊ ዝርርብ በሪ ንምኽፋትን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ኽፈጥር ዝፅውዕን ምዃኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ።

“እቲ ዝተልኣኸ ደብዳበ ተዂሲ ደው ክብልን ሰላማዊ ዝርርብ ክካየድን ዝፅውዕ’ዩ። ነፈርትን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንሕስያ ዘይብሉ መጥቃዕቲ የብፅሓ እየን ዘለዋ። እቲ ኲናት ብዙሓት ተዋሳእቲ ይፅምበርዎ ምህላዎምን ዞባውን ዓለምለኻውን ቅርፂ እናሓዘ ይመፅእ ምህላዉን ብንፁር ሪኢና ኣለና። እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝደፍእ’ዩ። ትግራይ ንዝሓለፉ ልዕሊ 13 ኣዋርሕ ወፍርታት ምፅናት ዓሌት ክካየደላ ፀኒሑ’ሎ። ሕዚ’ውን እቶም ኣብ ምፍፃም ገበናት ዝሓበሩ ኣካላት ንኻልኣይ ዙር ይዳለዉ’ዮም ዘለዉ። ስለዝኾነ ድማ ካብ በረራ ናፃ ዝኾነ ክሊ ኣየር ክህልው ዝገብርን ካልኦት ተወሰኽቲ ስጉምቲታትን ክውሰዱ ኢና ፀዊዕና።’’

ብተወሳኺ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዓቕሚ ድሮናት ኲናት ኣናኢሱ ብምዝራብ ዝፍለጥ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ምስ ቢቢሲ ዝነበሮ ፃንሒት ግን ብጥቕዓት ድሮናት ክሳብ ሐዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ጠፊኡን መሰረተ ልምዓት ዓንዩን እዩ ክብል ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ ።

‘’ኣብ ጉዳይ ድሮን ኢማራትስ ከምዘላትሉ ኣፀቢቕና ኢና እንፈልጥ። ቅድሚ 13 ኣዋርሕ እቲ ወፍሪ ክጅመር ከሎ ንወተሃደራዊ ዓቕምታትና ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ይፍፅማ ነይረን። ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ተሳትፎ ከምዘለወን እፈልጥ’የ። ቻይና ድማ እንተስ ብመሸጣ ወይ ብሓገዝ ድሮናት ተቕርብ ኣላ። ኢራናውያን እውን ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ክዓ ክሳብ ሐዚ ህይወት ብዙሓት ሰባት ጠፊኡን መሰረተ ልምዓት ዓንዩን እዩ።’’
ኣይተ ጌታቸው ‘’ቀዲምኩም ናብ ናይ ሰላም ዘተ ዘይምምፃእኹም የጣዕሰኩም ዶ?’’ ንዝብል ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡

” ህይወት ሰባት ብምጥፍኡ ኩሉግዜ እየ ዝሓዝን። ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ብዘየገድስ ሲቪላትን ዕጡቓትን ህይወቶም ብምጥፍኡ ኩልጊዜ ዘሕዝነኒ ጉዳይ እዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ንሕና ኣይኮንናን ንድርድር ዕንቅፋት ዝኾንና። ህዝብና ኣብ ዕፅዋ እዩ ዘሎ፤ ህዝብና ከም ኤልክትሪሲቲን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ዝበሉ ኣገልግሎታት ተቋሪፅዎ እዩ። ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርበሉ መገዲ’ውን ከም ሓደ መሳርሒ ኲናት ንምጥቃም ተዓፅዩ’ሎ። ኣብ ኲናት ምቕፃል ድልየትና ኣይኮነን። እቲ ናይ ሎሚ ደብዳቤ ድማ ንሰላም ድልዋት ከምዝኾንና ዘነፅር’ዩ። ናትና ኣብ ዓፋር ወይ ኣምሓራ ምፅናሕ ዕንቅፋት እንተኾይኑ፡ ዕድል ንምሃብ ብዝብል ወሲንና ኣለና” ክብል ይገልፅ።

መንግስቲ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ምውሳኑ እንታይ ዓይነት ትርጉም ኣለዎ? ዝወፁ ዘለዉ መግለፅታት ከ እንታይ ይመስሉ? ኣብ ዝብል ሓደ ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ምስ ኣኽሱማይት ሚዲያ ፃንሒት ዝገበረ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ እቲ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክርአ ከምዘለዎ ይገልፅ። ከም ትዕዝብቲ እዚ ምሁር ትግራዋይ ሰራዊት ትግራይ ምስ ዓቕሙን ምስ ኣፅዋሩን እዩ ካብቶም ከባብታት ጠቕሊሉ ከምዝወፀ ይኣምንን፣ መንግስቲ ትግራይ ተዂሲ ደው ንኽብልን ንሰላም ካብ ዘለዎ ድልዬትን ሰራዊቱ ከምዝሰሓበ የረድእ።

ከምኡ ኾይኑ እውን እዚ ምሁር ሕርኽራኻት ኣለውዎ። ‘’ብወገነይ ንሰላም ቁሩብ ምዃን ዝነኣድ ውሳነ እኳ እንተኾነ ከምዚ ዓይነት መግለፂ ግና መዓዝ እዩ ክወፅእ ዝነበሮ?’’ ክብል ይሓትት። ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፀግዑሉ እዋን “ሎሚ እውን ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ ኾይንና ንሰላም ንፅውዕ ኣለና። ሐዚ እውን ንዘተ ኾነ ድርድር ቁሩባት ኢና ብምባል ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጦም ዶ መግለፂ ከውፅኡ ኣይምኸኣሉን’’ ክብል ሕቶ የቕርብ።

ሰራዊት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንክኣቱ ምኽንያት ዝኾነ እቲ ዝነበረ ዕፅዋን ክባን ንምስባር ምዃኑ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ። ግና ክሳብ ሐዚ ብዘይፀገም ዝኣተወ ረዲኤት ኮነ ዝተሰበረ ዕፅዋ የለን። ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕፅዋን ጥምዬትን እዩ ዝርከብ። ብርግፅ ሰራዊት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምእታዉ ንወታደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ኣዳኺምዎን ብዙሓት ክሳራታት ኣስዒቡሉን እዩ ተባሂሉ እዩ ዝእመን። ግና ብክንደይ መስዋእቲ ተበፂሑ ዝነበረ ግስጋሰ ናብ ድሕሪት ዝተመለሰሉ ምኽንያት ግልፂ ኣይኮነን።

ባህሪ እቲ ስርዓት ጨፍጫፊ እዩ። ዕላምኡ እውን ንፁር እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝዓለመ ስርዓት ክሳብ ዝኾነ እቲ ጨፍጫፍ ክቕፅል እዩ። ሐዚ እውን መርሸንትን ጅምላዊ ማእሰርትን ይቕፅል እዩ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ‘’እንታይ ተኣማሚኖም እዮም፣ ሙሉእ ንሙሉእ ሰራዊት ትግራይ ንድሓር ክምለስ ወሲኖም’’ ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሕ ሰብ ኾይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃውዒት ሰላም ናይ ምቕባል ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከ ካበይ እዩ መፅዩ ዝብል እውን ካልእ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ። ብወገን መንግስቲ ትግራይ እምበር ብወገን ፌደራል መንግስቲ መዓዝ ናይ ሰላም ድልዉነት ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ብዙሓት ዝስማዕምዕሉ ትዕዝብቲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ንሰላም ቅሩብ ክኾን እዩ ኢልካ ኣሚንካ ሰራዊትካ ሙሉእ ንሙሉእ ምስሓብ ሓደጋ ዶ ኣይህልዎን ዝብል ትግራዋይን ደጋፊ ቃልሲ ትግራይ እውን ብዙሕ እዩ። እዞም ሕቶታት እዚኦም ኣልዕልካ ኣዕጋቢ መልሲ ኣብዘይርከበሉ ድማ ‘’እዚ ውሳነ ብፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተወሰነ ዶ ይኸውን?’’ ኢሉ ዝሓትት ሰብ ኣይተሳእነን።

ብርግፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓውደ ኲናት ብዙሓት ድሮናት ብምስታፍን ብማዕበል ሰብን ይዋጋእ ብምህላዉ እቲ ኩነታት ፈታኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ሰራዊት ብዘይ ውግእ እዩ ብትእዛዝ ንክምለስ ተገይሩ። እዚ ንምንታይ ኮይኑ ኢልካ ምሕታትን ክጠቕሙ ዝኽእሉ ትንታነታትን ንምምፃእ እምበር ብዓወት ትግራይ ዝጠራጠር ዝጠራጠር ብዙሕ ኣይርአን። ግን ድማ ቅድም ክብል ‘’ምትዕርራይ ኢና እነካይድ ዘለና እዚ ምትዕርራይ ድማ ናብ ናይ መወዳእታ ዓወት ዘብፅሕ እዩ’’ እናተብሃለ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ። እቲ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ኩነታት ግና ግና ናብ ፃውዒት ሰላም ዘዘምበለ እዩ።

እቲ ካሊእ ብምኽንያት ድኽመት ፕሮፖጋንዳን ሚድያን ሽም እቲ ስርዓት ኮነ እቲ ሰራዊት ፀሊሙ ይርከብ። ካብ ማይ ካድራ ጀሚሩ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝነበረሎም ከባቢታት ብብዙሓት ገበናት ኲናትን ጨፍጫፍ ዜጋታትን ክኽሰስ ፀኒሑ እዩ። ዓለም ለኸ ሚድያታት ኮና ማሕበረሰብ ዓለም ንክልቲኦም ማለት እውን ንመንግስቲ ትግራይን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ብመዓረ ‘’ክልቲኦም ሓይልታት ዝፈፀምዎም ገበናት ኲናት’’ እናበሉ ምግላጾም ሕማም ርእሲ ተጋሩ ኮይኑ ኣሎ። ክልቲኡ ሰራዊት ብመዓረ “ገበነኛታት እዮም” ተባሂሉ ክለዓል ምስማዕ ሓደ ውድቀት ከምዝኾነ ይእመን። እዚ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ ፅዕንቶ ንከሕድር ሓደ ምኽንያት ክኾን ይኽእል እዩ።

ሰበ ስልጣን ህወሓት ብተደጋጋሚ “ደጊምና ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ናይ ምሓዝ ድልዬት የብልናን” ክብሉ እንተገለፁ እኳ ኣሜሪካ ግና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትዉ ፅዕንቶ ክትገብር ፀኒሓ እያ። እዙይ ዘረድኦ ነገር እንተሃለወ ኣካይድኦም ግልፂ ኣይገበሩን ማለት እዩ። ነቲ ማሕበረሰብ ዓለም ዘእምንን ዝስማዕማዕን ውሳነ ኣብ ምውሳን እውን ናይ ዘይምትዕፅጻፍን ድርቅናን ፀገም ከምዘሎ ይግለፅ። ኣብ መንጎ ድማ ህዝቢ ይፀንት ኣሎ።

እቲ ሳልሳይን ግልፂ ዘይኮነን ጉዳይ ድማ ኣብቲ መግለፅን ኣብ ሚድያታትን ዝረአ ዘሎ “ዳግማይ ጂኖሳይድ” ዝብል ሓረግ እዩ። መንግስታዊ መግለፅታትን ኣቀራርባ ሚድያታት ትግራይን ብዛዕባ ጀኖሳይድ እንትገልፁ እምበርከ እቲ ጆኖሳይድ ዝብል ቃል ትርጉሙ ብትኽክል ተረዲኡና ድዩ ዘብል ኮይኑ ይርከብ። እቲ ምፅናት ዓሌት መዓዝ ደው ምስ ኣበለ እዩ ዳግማይ ዝብል ቃል እንጥቀም ዘለና ክብሉ ብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ምሁራትን ክጠቕሱ ምቕናዮም ዝዝከር እዩ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፋትን ምፅናትን ብኸመይ ከምዝርአ፣ እቲ መዓልታዊ ብድሮን፣ ብስእነት መድሓኒት፣ ብጥምዬት ዝመውት ዘሎ ሰብ መዓዝ ተቛሪፁ እዩ፣ “ዳግማይ” ዝብሃል ዘሎ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሊሱ ንትግራይ ከይቆፃፀር ዝብል ስግኣት ከ ኣሎ ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክልዓሉ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ምስዚ ተታሒዙ በዓል ሞያ ሕግን ኣብ London ኣብ ዩኒቨርሲቲ southbank ተምሃራይ ዓለም ለኸ ሕጊን ዝኾነ ሽሙ ክግለፅ ዘይደለዬ ካልእ ትግራዋይ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ሪኢቶኡ የቐምጥ።

“ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ እንተድኣ ኾይኑ ብሰናይ ኢና ኽንቅበሎ ዘለና ፤ ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ነቲ ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ፈቲሑ ናይ ህይወትን ንዋትን ዕንወት ክቕንስ ዝኽእል መማረፂ ክነተኣናግድ ሰለዘለናን ሰላማዊ ፍታሕ ብመሰረቱ ስለዘይፅላእን’’ ይብል።
ይኹን ደኣ እምበር ከም ኣገላልፃ እዚ ተምሃራይ ዓለምለኸ ሕጊ ሰለስተ መሰረታዊ ክርኣዩ ዘለዎም ስኽፍታታት የቐምጥ። ንሳቶም ድማ፥ እቲ ሓደ ስኽፍታ መንግስታቲ ኤርትራን መንግስቲ ኣምሓራን ንዝተወሰነ ኸባቢታት ትግራይ ተቆፃፂሮም ኣብ ዘለውሉ ህሞት በይናዊ ናይ ሰራዊት ምንስሓብ ምግባር እቲ ዝተሓሰበ ውፅኢት ኸምፅእ ኣይኽእልን ክብል ይገልፅ። እቲ ኻልኣይ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣካል እቲ ኹናት ኾይኑ እናሃለወን ኢትዮጵያ ድማ ንሉኣላዊ መሬተይ ወኪለ ምስ ናይ ወፃኢ ሃገራት ኽደራደርን ኽውስንን ዘኽእል እቲ ፌደራል መንግስቲ እምበር ኽልላዊ መንግስቲ እዩ ኢላ ኽሳብ ዘይአመነት እቲ ምንስሓብ ዝተሓሰበ ለዎጢ ኸምፅእ ኣይኽእልን፣ ምኽንያቱ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ዘይሓወሰ ናይ ስላም ዘተ መወዳእትኡ ስለዘይጥዕን መንግስቲ ኤርትራ ውን ምስ ህወሓት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኾፍ ኢሉ ኽዝቲ ድልውነት ኣለዎ ዝብል እምነት ስለዘይብለይ ይብል።

እቲ ሳልሳይ ድማ ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ እንተዘይኣትዩ፣ እቲ ኹናት ኣብ ኸባቢ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝኽእልን፣ መንግስቲ ኤርትራ ‘ውን ምስ ትግራይ ኣብ ዘዳቡብዎ ኸባቢታት ዳግም ኹናት ወይ ወረራ ኽፍፅም ዝኽእለሉ ተኽእሎታት ከምዘለውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ኽሳብ ዘሎ ድማ ጎንፂ ትግራይን ኢትዮጵያን ብልዝብ ዝፍትሓሉ ዕድል ፀቢብ ምኳኑን የረድእ።