ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ጠጠዉ ንኽብል ዝፅዉዕ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መፀዋዕታ ፆምን ፆለትን ትግራይ ቀሪቡ።

ንልዕሊ 400 መዓልታት ዝፀነሐ ኩናት ትግራይ እሞ ድማ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጋደደን ቆላሕታ እናቐነሰን ስለዝኸይድ ዘሎ እቲ ስቓይ ጠጠዉ ንኽብል ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ፆምን ፀሎትን ንኽካየድ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ፀዊዓ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መቐለ ኣቡነ ኢሳያስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ፆም ፀሎት ካብ ታሕሳስ 18-20 /2014 ዓ/ም ዝፀንሕ ምዃኑ ዝሓበሩ እንትኾን እቲ ዉሳነ ኩሎም ሊቃዉንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ተመኻኺሮም ዝፈፀምዎ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ጆኖሳይድ ይፍፀም ምህላዉ ብምዝራብ ከም ድሌት ፀላእቲ ተዝኾንስ ፀሓይ እዉን ካብ ፈጣሪ ኮይና እምበር ካብ ሰብ ተትኾንስ ክነፍጉና ኔሮም እዮም ክብሉ መጠን እቲ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ገሊፆም።

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጲያ እዉን እንተኾነት ካብ ሕግን ስርዓትን እቲ እምነት ወፅያ ኣብ ክንዲ እቲ ኩናት ጠጠዉ ምባል ኣካል ናይቲ ገበን ኮይና ከምዝዓረፈት ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ ኣሎ።

ኩናት ትግራይ ካብ ዝጅምር እዚ መበል ካልኣይ ኣዋጅ ፆም ፀሎት እንተኾን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ኩሉ ተወላዲ ብሄር ትግራይ ንሰለስተ መዓልቲ በቢእምነቱ ክፅልን ክሰግድን ዝፅዉዕ ፆመ ትግራይ ተሳሊጡ ኔሩ እዩ።

ኣብቲ እዋን ዝተፀወዐ ፍሉይ መንፈሳዊ ፃዉዒት ምዃኑ ተገንዚቡ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይ ሃይማኖት ኣፈላላይ በቢዘለዎ ኾይኑ ሳላ ዝፆመን ዝሰገደን ድሕሪ ቀረባ እዋን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ መብዛሕተን ከተማታት ተፀራሪጎም ክወፁ ምኽኣሎም ኣመንቲ ይዛረቡ።

ኣብቲ እዋን ካብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣትሒዙ ክሳብ ወታደራቱ ነቲ ፆመ ትግራይ ንምትእጉጓልን ካልእ ልእኽቶ ዝሓዘን እዩ ብምባል ንተፈፃምነቱ ከይሰምር ብዙሕ ሰሪሖም እዮም።

ሐዚ እዉን እንተኾነ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣወጀ ፆመ ትግራይ ንምፃም ብዙሕ ትግራዋይ ዘለዎ ህንጣወ እናንፀባረቐ እንትኾን ከም ዉፅኢት ድማ ዓብዪ ፀገም ህዝቢ ክቐርፍ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።