ሰራዊት ትግራይ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ንኸመዝግብ ኪነ-ጥበብ ትግራይ ዝለዓለ ብፅሒት ከምዝነበሮ ተገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ነቲ ከም ህዝቢ ንኽጠፍእ ተሃቂንሉ ዝመፀ ሓደጋ ንምምካት ኮነ መሰል ዓርሰ ዉሳነኡ ንምርግጋፅ እቲ እንኮ መማረፂ ኢሉ ዝወሰዶ ተቓሊስካ መሰልካ ብቕልፅምካ ምርግጋፅ እዩ።

ነዚ ስዒቡ እዉን ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ንኽጠፍእ ብናይ ዉሽጥን ግዳምን ሓይልታት ዝተኸፈተሉ ኩለ መዳይ ኩናት ንምዕጋትን ህዝቢ ናብ ቃልሲ ክለዓዓልን ኪነ-ጥበብ ትግራይ ዘይትካእ እጃም ተፃዊቱ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኪነ ጥበብ ትግራይ ንሰራዊት መንፈስ እቲ ቃልሲ ተረዲኡን ብስነ ምግባር ተሃኒፁን ንኽቃለስን ከም ህዝቢ ድማ ብዝተፈላለየ ዉዳበ ንኽቃወምን ብምግባር ዓብዪ ታሪክ ከምዘመዝገበ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ሓቢራ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምስ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ትግራይ ኣብ ዝነበሮ መድረኽ ዘተ ዝተረኸበት ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ከም ዝበለቶ ኪነ-ጥበብ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ ትግራይ መዘና ዘይርከቦ እጃም ከምዝተፃወተ ድሕሪ ምሕባር ሐዚ እውን ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለው በደልን ግፍዕን ህዝቢ ትግራይ ከይተሰኮነ ንመሰሉን ንመሰል ዓርሰ-ውሳነኡን ህላወኡን ንምርግጋፅ ክሳብ መወዳእታ ቃልስን ቃልስን እዩ መማረፅየይ ኢሉ ኣብ ዘካየዶን የካይዶ ዘሎን ህልኽካ ዘወድእ ቃልሲ ኪነ-ጥበብ ትግራይ ዝለዓለ ብፅሒት እናበርከተ ንምዃኑ መስኪራ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መንነትን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝወልዕዎ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣንፃር መንነቱ ጠጠዉ ንዝበሉ ሓይልታት ብትሪ ብምቅዋምን ኣሐይሉ ብምቅላስን እንኮ መማረፂኡ ቃልሲ ብምግባር ዕድመ ወረርቲ ሓይልታት ንምሕፃር ካብ ቀደም ኣትሒዙ ዘይዛሪ ቃልሲ ብምክያድ መስዋእቲ እናኸፈለ ዝመፀ ህዝቢ ከም ዝኾነ ወ/ሮ ሊያ ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ከየንቲ ትግራይ ስነ ጥበበኛ ተጋዳላይ ገብሩ ገ/መድህን (ገብሩ ፋኖ) ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብመዳይ ኪነ ጥበብ ዝተሰርሐ ስራሕ ፈርከስከስ ከብሎም ከምዝኸኣለ ብምሕባር ቃልስና ብምጥንኻር ፀላእትና ንምድምሳስ ክንረባረብ ኣለና ክብል ገሊፁ።

ስነ ጥበባዊት ተጋዳሊት ሙሉ ብወገና ፅንዓትን ሓቦን ህዝቢ ትግራይ ፀላእትና ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም ብምባል መንግስቲ ኢትዮጲያ ባዕዳዉያን ሓይልታት ዓዲሙ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዋላ እኳ እቲ ዂናት እንተጀመሮ ፅንዓትን ሓቦን ዘይፍለዮ ህዝቢ ትግራይ ; ፀላእቲ በታቲኑ ካብ መሬት ትግራይ ክፀራረጉ ገይሩዎም እዩ ; መሊእኻ ንምቅባፅ ድማ ከም ወትሩ ብሕራነ ሃለዋትና ክነረጋግፅ ይግባእ ኢላ።

ኪነ ጥበበ ኣብ እዋን ገድሊ ካብቶም ዕዙዝ ተራ ቃልሲ ክፃወቱ ዝግበኦም ሓደ ብምዃኑ ፍርቂ ሓይሊ ሰራዊት ተባሂሉ ይፅዋዕ ; ብምዃኑ ድማ ኪነ ጥበብ ትግራይ ዉቅዒት ህዝቢ ዘዳምፅ ; ባህግን ድሌትን ሕብረተሰብ ዘነፅር ክኾን ከምዝግባእ ይግለፅ።