ኣባላት ማሕበር ደቂ ስዉኣት ትግራይ ንሰራዊት ትግራይ ዝዉዕል መድረኽ ደም ልገሳ ኣሳሊጦም።

ነቲ ምእንተ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ይካሻሕ ንዘሎ ሰራዊት ትግራይ ደምና ኣይንስስዕን ብምባል ኣባላት ማሕበር ደቂ ስዉኣት ትግራይ ደሞም ለጊሶም ኣለዉ።

ሓየት ሰራዊት ትግራይ ምእንተ ህልውና ትግራይ ትግራዋይን ህይወቶም ገቢሮም እናተቓለሱ ንሕና ድማ እታ እንወንናን ብቐሊሉ እንትክኦን ደምና ኣይንስስዐሎምን ክብሉ ኣባላት ማሕበር ደቂ ስውኣት ትግራይ ክፍለ ከተማ ሰሜን ገሊፆም ክብል ዝፀብፀበ ቴሌቭዥን ድምፂ ወያነ እዩ።

ማሕበር ደቂ ስዉኣት ምስ ክፍለ ከተመኦም ብምትሕብባር ኣብ ዘሳለጥዎ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም እንትኸውን ነቲ ጅግንነትን ፅንዓትን መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ደም ምልጋሶም ዓብይ ክብርን መንፈሳዊ ዕግበትን ከምዝረኸቡሉ ምዝራቦም እዉን እቲ ፀብፃብ የረድእ።

ነቲ ከም ተጋሩ ህልውናና ንምጥፋእ ዝተወለዐና ሓዊ ንምብርዓንን መሰልና ንምርግጋፅን እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ቃልሲ ሽትኡ ክወቅዕ እንተኾይኑ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበረሰብ ይጠልብ ዝበሉ እዞም ደቂ ስውኣት ሐዚ እውን ኣሐይልካ ምቅላስ ንፅባሕ ዘይብሃል ዋኒን እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ምእንተ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሜዳ ዝኳሻሕ ዘሎ ሰራዊት ደም ብምልጋስ ; ስንቂ ብምቕባል ካልኦት ቀረብ ሎጂስቲካት ብምዉፋይን ኩሉ ትግራዋይ ኢደይ ኢድካ ኣብ ዝብለሉ መድረኽ ንርከብ።