ዝኽሪ ሰማእታትን ምዉላዕ ጥዋፍን ኣብ ዓድን ወፃእን ብመንግስትን ህዝብን ትግራይ ተሳሊጡ።

14 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ነቶም ምእንተ በጃ ህዝቦም ሂወቶም ዝገበሩ ቀያሕትን ፀለምትን ተጋሩ መዓልቲ ዝኽርን ምዉላዕ ሽምዓን ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ትግራዋይ ኣኽቢሩ።

ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ብመስዋእቶም ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሕና ኣለና ድሕራ ምባል ብቃልስና ንዓለምን ነኹሉልናን ዘደንፁ ታሪኽ ተመዝጊቡ እዩ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ደሚቕን ወርቃዉን ታሪኽ በብእዋኑ ዘመዝግብ ምዃኑ ኣብዛ ፈታኒትን ከባድን እዋን ዝተንፀባረቑ ዓወታት ምስክር እዮም ክብል እዉን ዶ/ር ደብረፅዮን ወሲኹ ገሊፁ።

ሰማእታት ትግራይ ነቲ ዝተሰዉእሉ ዕላማ ገና ኣብ ሽትኡ ኣይበፅሕናዮን ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን እዚ ዕለት ንመስዋእትኹም ንዝክረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነስ ሕድርኹም ከይዐበርና ቃልስኹም ንምግሃድ ቃል እንኣተወሉ ዕለት እዪ ክብል ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብዛ ዕለት እቶም ቀዳሞት ሰማእታት ዝተሰዉኡላ ዕላማ ኣብ መደምደምታ ንምብፃሕ ዝኽፈል ከፊልና ኣብ ሙሉእ ዓወት ከምእነብፃሓ እዉን በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ ክብል ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣረጋጊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወፃኢ ዓድታት ከምኒ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዴንቨር ኮሎራዶን ሲያትልን ካልኦትን እዉን ዝኽሪ ሰማእታትን ምዉላዕ ጥዋፍን ኣካይዶም እዮም።

ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተሳለጠ ምዉላዕ ሽምዓን ዝኽሪ ሰማእታትን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጠቕሊልካ ዝጠፍኡ እዮም ሰማእታት ዝድበሱ ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እዉን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘሎ ተወላዲ ብሄር ትግራይ እቲ ክሳብ ሐዚ እናካየዶ ዝመፀ ዳፕሎማሲያዊ ቃልሲ መስርዑ ከይዛረየ ኣሐይሉ ብምቕፃል እዛ ኣብ ጫፍ በፂሓ ዘላ ዓወት ምልእቲ ንኽትኮን ኩሉ ዲያስፖራ ትግራይ ክቃለስ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብተዛማዳ ዜና ኣብ የመን ከተማ ኤደን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ብወገኖም ስነ ስርዓት ምዉላዕ ሽምዓን ዝኽሪ ሰማእታትን መድረኽ ኣካይዶም።

እዞም ስደተኛታት ተጋሩ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ከም ኩሉ ትግራዋይ ድምፂ ተቓዉሞ ኣብ ምግዋሕን ስቓይ ህዝቦም ንዝተፈላለያ ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ምግዋሕን ክሳተፉ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ደገን ዉሽጥን ዝርከብ ትግራዋይ ኣብዛ ዕለት ኣብ ስነ ስርዓት ምዝካር ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰማእታት ተጋሩ ንምዝካር ብዉልቀ ; ብዉዳበን ብሰላማዊ ሰልፍን ኣቢሎም ኣሳሊጦም እዮም።