ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ ናፃ ቀረፅ ዕዳጋ (ኣጎዋ) ብምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝኾነ ገሊፃ።

ኣሜሪካ ብርክት ንዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ብዘይቀረፅ ንከእትዋ ዕድል ዝህብ ብሽም ኣገዋ ካብ ዝፍለጥ ዕድል ንኢትዮጵያ ምብራራ ዘሕዝን እዩ ክብል ሚኒስተር ንግዳዊ ምትእስሳራት ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብ ኣጎዋ ከፈራርሑና ይፍትኑ ኣለዉ። እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣይንደልይን።” ብምባል እቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ናይ ሰላም ፃውዒት ብምሕሳም ዝተፈላለዩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍፅም ዝፀንሐ እንትኾን ውሳነ ኣሜሪካ ዕላዊ ምስ ኮነ ግና እቲ ውሳነ ከም ዘሕዘኖን ዘጣዐሶን ገሊፁ እዩ።

ኢትዮጵያ ካብ ዕዳጋ ኣገዋ ምስንባታ ብዙሕ ቁጠባዊ ክሳራ ዘስዕብ ኮይኑ ብ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ስራሕ ክስእኑ ዝገብር እንትኾን ህፃውንቲ ዘለዉወን ኣዴታት ሓዊሱ ናብ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ውድቀት ዘእትው እዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሴናተራት ነቲ ውሳነ ክቃወሙላ ክትላቦ ዝፀንሐት እንትኾን እቲ ውሳነ ግና ዕላዊ ኮይኑ እዩ።