ኣብ ደቡብ ትግራይ ብዘጋጠመ ደብዳብ ድሮን ህይወት ሰለማውያን ሰባት ከምዝጠፍአ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ ብዘካዬዶ ናይ ድሮን ጨፍጫፍ ህይወት ሰባት ጠፊኡ።

እብቲ ንልዕሊ 13 ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኲናት መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግምባራት ዓውደ ውግእ ስዕረት እንትገጥሞ ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ዝተፈላለዬ ከባብታት ትግራይ መናእሰይ ክርሽንን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ኣዬር ጥቕዓታት ክገብርን ፀኒሑ እዩ።

ነዚ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ደብዳባት ድሮን ብምምልካት ማሕበረሰብ ዓለም ቻይና፣ ኢራንን ቱርክን ዝገብርኦ ዘለዋ ሓገዝ ደው ንከብላ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዪጵያ ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ናይ ሰላም ፃውዒት ብምሕሳም ሐዚ እውብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ደብዳባት ድሮን ብምክያድ ህይወት ንፁሃት ሰባት እናጥፈአ ይርከብ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንከተማታት ኣላማጣ፣ ማይጨው፣ ኮረም፣ መቐለን ጨርጨርን ሓዊሱ ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን መንበሪ ኣባይትን ተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ከምዘካየደ ዝፍለጥ እዩ።