ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣቱ ዝመለስናዮ ንሕና ክብል ፈሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን ተዛሪቡ።

ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ትማሊ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ “NPR” ሬድዮ ቀሪቡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣቱ ዝመለስናዮ ንሕና ኢና ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ጥሒላ ብምህላዋ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ኣሜሪካ “ኣጎዋ” ክትባረር ከምዝኸኣለት ኣገንዚቡ።

ቅድም ቅብል ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ 200 ኪሎ ሜትሮ ምስተረፎ ከይኣቱ ዝብል ዝሓተትናዮ ንሕና መንግስቲ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኢና ክብል ኣብሪሁ።

መሰረት እዚ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምእንተ ኩናት ብሰላም ክውዳእ ክብል ናብ መረበቱ ናብ ትግራይ ምምላሱ ከምዘድንቕ ኣረጋጊፁ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝተሓተቶ ሕቶ ኩሉ ምምልኡ ንሰላም ኩሉ ዘመዓራረየ ስለዝኾነ ኵናት ደው ክብል ዘተ ክካየድ ከምዘለዎን ነዚ ኢና ድማ ንሰርሕ ዘለና ክብል ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ ብሚልየናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት መድሓኒት ገንዘብ ነዳዲ ኮነ ካልእ ግልጋሎት ኩሉ ክረክብ ኣለዎ ክብል ገሊፁ።