ኤርትራ፡ ንዓለም ለኸ ሕጊ ተገዛኢት ክትከውን ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ፀዊዑ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዓለም ለኸ ሕግን ግቡኣትን ተገዛኢ ክኸውን ኣለዎ ክብል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ፀዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ኣብ ዝጠቀዖ ፅሑፍ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዜጋታቱ ዝፈፀሞን ዝፍፅሞ ዘሎን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ጉልበት ብዝበዛን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ደው ከብሎ ፀዊዑ።

ብምዃኑ እውን ከም ሕጊ ብሃገራዊ ኣገልግሎት እንተደኣኮይኑ ብቁፅሪ 11/199 ማለት እውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 18 ኣዋርሕ ክሓልፍ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቁ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ውፁዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

እንተኾነ ስርዓት ኢሳያስ፡ ከምቲ ልሙድ ብሚኒስትር ዜና የማነ ገ/መስቀል ኣቢሉ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኸፈፈተቶ ፀለመ እዩ ክብል ኪሒዱ።

ነዚ ኣመልኪቱ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፀኦ ተደጋጋሚ ፀብፃብ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅም ከምዘሎን ደው ከብሎን ተደጋጋሚ ምሕፅንታ ምቕራቡ ይዝከር።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ብናፅነት ዝዛረብ ትካል ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።