ጥምየት ህዝቢ ትግራይ ኮፍ ኢሉ ዘይዕዘብ ገዚፍ ተዋጋኣይ ሓይሊ ድልዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ስርዓት ኢትዮጲያ ንፃዉዒት ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍፅሞ ዘሎ ሰብ ሰራሕ ጥምየትን ግፍዕን ኢዱ ኣጣሚሩ ዘይርኢ ግዙፍን ተዋጋኣይን ሓይሊ ከም ዘሎ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ምንም እኳ መንግስቲ ትግራይ ፃዉዒት ሰላም ተቐቢሉ ተኹሲ ጠጠዉ ንምባል እንተወሰነ ኮይኑ ግና ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ ተመሳሳሊ ድሌት ከምዘይረአ ዘሎ ዝሓበረ ድማ ፕሮፌሰር ሸትል ትርንቮል እዩ።

ፕሮፌሰር ሸትል ትርንቮል ኣብ ኢን ኣፍሪካ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ኣብዪ ኣሕመድ ዋላ እኳ እቲ ፃዉዒት ሰላም ንምቕባል ተፈተነ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓይልታት ኣምሓራን ግና ፅዕንቶ ከምዝፈጥርሉን ዉድቂ ከምዝገብርዎን እዩ ጠቒሱ።

ኩናት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 2021 ዓ/ም/ፈ እቲ ዝሓመቐን ክፉእን ኮይኑ ሓሊፉ እዩ ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር በዚ መሰረት ድማ እታ ሐዚ ብመንግስቲ ትግራይ ተረኻባ ዘላ ኣፋፍኖት ሰላም ኣብ ጥቕሚ ተዘይዉዒላ ኣብ ዝቕፅል 2022 ዓ/ም/ፈ ናይ ዓለም ዓብዪ ኣዉዳሚ ኩናት ኮይኑ ከምዝቕፅል ስግኣቱ ገሊፁ ኣሎ።

በዚ መሰረት ድማ እቲ ፕሮፌሰር ካብ ፕሬዝደንት መንግስቲ ትግራይ ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ እቲ ኣማራፂ ሰላም ዘይሳኻዕ ተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት እናረገፈን እናተሳቐየን ኢዱ ዓፃፂፉ ዘይርኢ ገዚፍ ሰራዊት ኣለና ክብል ከምዝገለፀሉ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኩናት ምጥንሳሱ ኣትሒዙ ኩናት መፍትሒ ከምዘይኮነን ብናይ ፖለቲካ ሃልኪ ዜጋታት ክጠፍኡ የብሎምን ብምባል መርገፂኡ ሰላም ከምዝኾነ እናሓበረ መፅዩ እዩ።