ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምንስሓቡ ጥንኩር ቁመና ክዉንን ከምዘኽኣሎ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀሮም ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን መስመራት ፅዕፁዕ ደብዳብ ድሮን ይካየደሉ ከምዝነበረን ናይ ኤርትራ ክፍለ ጦራት እዉን ምስ ናይ ኢትዮጲያ ብምዉሃድ በቢመዓልቱ ይወጉኡና ኔሮም ክብል ጀነራል ፃድቃን ን ዘ-ኤለፋንት ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ገሊፁ።

ብምዃኑ እዉን ካብ ትግራይ ክሳብ ደብረብርሃን ኣብ ዘሎ ነዊሕ ርሕቐት ሰራዊትና እንትበፅሕ ጭቡጥ ዝኾነ ዓለም ለኸ መፍትሒ ግጭት ብዘይምጅማሩ መንግስቲ ትግራይ በሴንተራል ኮማንድ ኣቢሉ ሰራዊቱ ብምስሓብ ድልዱል ቁመና ክህልዎን ዓቕሙ ከጠናኽርን ወሲኑ እዩ ክብል ነቲ ማዕኸን ዜና ሓቢሩ።

ኣብቲ ፅዑቕ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ሰራዊት ምንስሓብ ቀሊል ኦፕሬሽኝ እኳ እንተዘይኮነ ንሕና ግን ብብቕዓት ተዋፂናዮ ኣይተስዓርናን ድማ ስዒርና ኢና ክብል ጀነራል ፃድቃን ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት እዉን ናይ ኢትዮ -ኤርትራ ጥምረት ሓይልታት ብምዕራብን ምስራቕን ሰይሮም ንምእታዉ ፈቲኖም ግን ዓብዪ ኪሳራ ተጎልቢቦም እዮም ተመሊሶም ክብል እዉን ወሲኹ ገሊፁ።

ድሕሪ እዚ ክስተት እዩ ድማ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሎ መንግስቲ ናይ መጀመርያ ኦፕሬሽን ኣጠናቒቐ ኣለኹ ብምባል ጥቕዓት ምፍፃም ጠጠዉ ከምዘብል ምግላፁን እቲ ዋና ምኽንያት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዘይደፈርሉ ክስተት ኢሉ የቐምጥ ጀነራል ፃድቃን።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓደ ወገን ንማሕበረሰብ ዓለም ሰላም እየ ዝደሊ ክብል እንተሎ ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ብሰላሕታን ብቅልዑን እናጥፈአ ይርከብ።

መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ; መንግስቲ ኢትዮጲያ እንድሕር ደኣ ንፃዉዒት ሰላም ነፂጉ ግፍዕታቱ ዝቕፅል ተኾይኑ ነዚ ኮፍ ኢሉ ዝዕዘብ ሰራዊት ኣይክህልወናን ክብል መጥቃዕቲ ከምዝጅምርን ህለወ ህዝቡ ከምዘረጋግፅን ገሊፁ እዩ።