ብሰንኪ ስርዓት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ረድኤት ደው ከምዝበለ ተገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ብተሽከርከርቲ ዝግበር ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ዕንቅፋት ስለ ዝበዝሖን ተበፃሕነቱ ትሑት ስለ ዝኾነን ካብ ቀረባ እዋን ብነፈርቲ እየ ከካይዶ ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝግበር እኳ እንተነበረ ስርዓት ነዚ ኣይፈቅድን ከምዝበለ ተሓቢሩ።

እዚ ጥራይ ከይኮነ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ነተን ሓገዝ ከበፃፅሓ ዝተመደባ ነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት እውን ስግኣት ስለዝኾነ ነቲ ሓገዝ ከቋርፃኦ ከምዝተገደዳ ተገሊፁ።

ኮይኑ ግና ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተግባር ከምቲ ልሙድ “ኮኒነዮ” ካብ ምባል ወፃኢ ዛጊድ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን።

ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዘ ዘድልዮ ህዝቢ ልዕሊ 6 ሚልዮን ክኸውን ከሎ ካብዚ ክሳብ ሕጂ ድጋፍ ዝረኸበ ሓደ ምኢታዊ ጥራይ ከምዝኾነ ይግለፅ።