ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን መሬት ኣገው ክሳብ ዝለቅቕ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ አገው ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣገው ከቢድ ግፍዕን ምጉስቛልን ዝፍፅም ዘሎ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድን መሬት ኣገው ክሳብ ዝለቅቕ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ አገው ኣፍሊጡ።

ኣብ ከባብታት ዋግ ኽምራን ላስታን ዝርከብ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድን ካብ ግዝኣታት ዋግሹም ኣገው ክወፅእ ዘጠንቀቐ መግለፂ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ አገው ዕላማ ዓርሰ-ምሕደራ ህዝቢ ኣገው ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ይቕፅለሉ ምህላው ኣረጋጊፁ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ስዒቡ ንሰላማዊ ዕልባት ዕድል ንምፍጣር ሰራዊት ትግራይ መሬት ኣምሓራ ለቒቑ ምውፅኡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ ህዝቢ ኣገው ብወረርቲ ዝበፅሖ ዘሎ ግፍዕን መፅቀጥትን ክሳብ ዘብቅዕ ኩለመዳያዊ ቃልሲ የካይድ ምህላው ኣብሪሁ።

ምስ ሰራዊት ትግራይ ብሓባር ይሰርሕ ምህላው ዘፍለጠ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው መሰል ዓርሰ-ምሕደራ ህዝቢ ኣገው ምስ ዘኽብሩ ፖለቲካዊ ውድባት ግንባር ወይ ጥምረት ፈጢሩ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ገሊፁ።

ዘላቒ መፍትሒ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቀውሲ ሰላማዊ ልዝብ ምዃኑ ከምዝኣምን ዝሓበረ እቲ ውድብ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ካብ መሬት ኣገው ክወፁ ቅድመ-ኩነት ኣቐሚጡ።