ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 75 ሰባት ብኮቪድ 19 ከምዝተለኸውፉ ተገሊፁ።

እቲ ካብ 18 ክሳብ 24 ታሕሳስ 2014ዓ.ም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና 75 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምጥቃስ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣቃሊሑ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ን359 ሰባት ኣብዝተገበረ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና 75 ወገናት በቲ ቫይረስ እንትትሓዙ ሓደ ወገን ድማ በቲ ቫይረስ ምኽንያት ንሞት ከምዝተቓልዐ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ሰሙናዊ ውፅኢት ምርመራ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ዕፅዋን ክባን ምኽንያት ዘሎ መመርመሪ ናውቲ ቫይረስ ኮሮና ውሱን ከምዝኾነን ምልክት ንዘለዎ ጥራሕ ድማ ምርመራ ይግበር ምህላዉን እቲ ቢሮ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ዘሎ ውሱን መመርመርን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው ሕብረተሰብ ኩሎም መንገድታት መከላኸሊ ብዝግባእ ክትግበር እቲ ቢሮ ፀዊዑ።

ካብ 21 ሰነ 2013ዓ.ም ጀሚሩ ብሓፈሻ ን8ሽሕን 402 ወገናት ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝገበረ እንትኸውን ካብኣቶም ድማ 2ሽሕን 295 ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም እንትኸውን 53 ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።