ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኣብ ዝርከባ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ፅንተት ከምዘተሓሳሰባ ማሕበር ጉዳኣት ኣካል ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣፍሊጣ።

ንዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኣብ ዝርከባ ከባብታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ዘሎ ፅንተት ከምዘተሓሳሰባ ማሕበር ጉዱኣት ኣካል ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ሓቢራ።

ጉዳኣት ኣካል ትግራይ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራር ልዑል ተቓላዓይነት ሞትን ማህሰይትን ከምዘጋጠሞም ዝሓበረት ማሕበር ጉዳኣት ኣካል ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ሎሚ ድማ ብመንግስታዊ ትልሚ ኣብ ትሕቲ ዕፅዋን ክባን ንተወሳኺ ሕማምን ሞትን ከምዝተዳረጉ ኣፍሊጣ።

ኣካያዲት ስራሕ ማሕበር ጉዳኣት ኣካል ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ገነት ኪዳነ ብሰንኪ እቲ ወራር “ብፍላይ መናእሰይ ብዘይኣፈላላይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኣምሓራን ኤርትራን ስለዝተጨፍጨፉ ሓዱሽ ኣካላዊ ጉድኣት ብልዑል መጠን ወሲኹ” ክትብል ተዛሪባ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጉዳኣት ኣካል ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ንሰፊሕ መንነታዊ ፅንተት ዝዓለመ ፆታዊ ዓመፅ ብምቅልዐን ንማሕበረ-ቁጠባዊ ቀውሲ ከመዘጋጠመን ዝገለፀት ወይዘሮ ገነት ትግራይ ኣብ ዕፅዋ ብምህላዋ ሃፍቲ ኣተኣኻኺባ ነተን ተጠቃዕቲ ክትድግፍ ኣብ ዘይከኣለሉ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ኣብሪሃ።

ንፌደሬሽን ጉዳኣት ኣካል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሃገራዊ ውዳበታት ጉዳኣት ኣካልን ካልኦት ሲቪል ማሕበራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ብስቕታ ምርኣየን ከምዘሕዘና እውን ጠቒሳ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ዝርከባ ከባብታት ትግራይ ንጉዳኣት ኣካል ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፅምዎ ዘለው ምፅናት ዘርኢ “ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ብምዃንና ትካላት ሰብኣዊ ድጋፍን ሰብኣዊ መሰላትን ቅልጡፍ ግብራዊ መፍትሒ ከናዲ” ከምዝግባእ እታ ኣካያዲት ስራሕ ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ መንነት ዘለዎም ሰላማውያን ሰባት ብታሪኽ ዓለም ዘይተርኣዩ ግፍዕታት ይፍፀሙ ምህላዎም ከምዘተሓሳሰባ ወይዘሮ ገነት ተዛሪባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ “ፕሮጀክት ሓንፂፁ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሞ ዘሎ ስርዓታዊ ምፅናት ዘርኢ ብኹሎም መለክዒታት ኣንፃር ሰብ ኣዊነት ዝካየድ ዘሎ ጭካነ ብምዃኑ” ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዓ።