ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘካየዶ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ጨው 1500 ሚእታዊ ወሰኽ ኣርእዩ።

መብዛሕትኦም ሃለቕቲ ንብረታት ስለዝተወድኡ ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ምቅዋስ ናብ ዝኸፈአ ጠርዚ ምብፅሑ ከምዘተሓሳሰቦ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም ኣብ ዕዳጋ ዝፀንሑ ሃለቕቲ ንብረት ስለዝተወደኡ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ቀረብን ጠለብን ክመጣጠን ብዘይምኽኣሉ ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ምቅዋስ ናብ ዝኸፈአ ጠርዚ ምብፅሑ ከምዘሻቐሎ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ታሪኽ ከይዲ ዕዳጋ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዋጋ ሓደ ኪሎ ጨው 250-300 ብር በፂሑ ኣሎ።

ከምኡ እውን ክሳብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ንኪሎ 20 ብር ክሽየጥ ዝፀንሐ ሓደ ኪሎ ጨው ሎሚ ብ1500% ምውሳኹ ጥራሕ ከይኮነስ ከምኡ ኮይኑ እውን ኣብ ዕዳጋ ክርከብ ኣይከኣለን።

ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ዝረኸብናያ ወይዘሮ ለታይ ሃፍተ “ባንኪ ተዓፂና እሞ ኩሉ ሓዊ ኮይኑ ጨው እኳበዚ ደረጃ ከቢሩ 300 ሚኢቲ ገዚእኻ ከመይ ኢልካ እዩ ክንበር” ብምባል ትሓትት።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም በርበረ ዝበሉ ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሎም ከምዝጠፍኡ ዝሓበረት ወይዘሮ ለታይ “ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝሓለፎ ሞትን ስቓይን ከይኣኽሎ ሎሚ እውን ብኣልማሚት ክሳብ ዝውዳእ ዓለም ስቕ ኢላ ክትርኢ የብላን” ክትብል ኣተሓሳሲባ።

መብዛሕትኦም ኣብ ዕዳጋ ዝውዕሉ ሃለቕቲ ንብረታት ካብ ደገ ከምዝመፁ ዝሓበረ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ብሰንኪ ዕፅዋ ዝተሸጠ ምህርቲ ምትካእ ስለዘይተኽኣለ ሕብረተሰብ ንስእነት ቀረብን ምኽባር ዋጋ ዕዳጋን ከምዝተቓለዐ ኣብሪሁ።

ኣብ ትግራይ ዝፈርዩ ምህርትታት እውን ብምኽንያት ሕፅረት ነዳዲ መጠን ምንቅስቓስ ንግዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንካዩ ልዑል ምኽባር ዋጋ የርኢ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ዕዳጋ ካብ ምኽልካል ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባንኪ ዝዓቖሮ ገንዘቡ ብምዕፃው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስልታዊን ስርዓታዊን ምፅናት ዘርኢ የካይድ ብምህላው ማሕበረሰብ ዓለም ተግባራዊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ታሪኻዊን ሞራላውን ተሓታትነት ከምዘለዎ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ተዛሪቡ።

ውሕስና ስርዓት ንግዲ ዝምዕብል ውሕስቲ ትግራይ ብምፍጣር ከምዝኾነ ዝሓበረ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ኣይተ በርሀ ኣርከበ ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዝተዋደደ መልክዑ ክዕወት ኩሉ ትግራዋይ ብፅሒቱ ከበርክት ፀዊዑ።

ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ዝተፈጠረ ስእነት ቀረብ ዕዳጋ ንምፍታሕን ትግራይ ንምውሓስን ዘኽእል ሰላማዊ ዕድላት ብምዕፃው ኣካል እቲ ህዝቢ ኮይኑ ኩለመዳይ ቃልሲ ይገብር ምህላው ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ሓቢሩ።