ብምኽንያት በዓል ልደት ን275 ዝተፀገሙ ኣረጋውያን ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን እንግዶት ምሳሕ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ካብ ማሕበረሰብ መቐለ ብዝተረኸበ ድጋፍ ብምኽንያት በዓል ልደት ን275 ዝተፀገሙ ኣረጋውያን ደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን እንግዶት ምሳሕ ምክያዱ ባዕልና ንባዕልና ኣፍሊጣ።

ባዕልና ንባዕልና ብዝብል መበገሲ ንሓደ ዓመት ብፍሉይ ኣብ ህፃናት፣ ተመዛበልትን ናባዪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ድጋፋት ይህቡ ምህላዎም ኣተሓባባሪ ባዕልና ንባዕልናን ኣይተ ኣማኑኤል ገብረፃድቃን ሓቢሩ።

ነባሪት ክፍለከተማ ዓዲ ሓቂ ጣብያ ሓየሎም ወይዘሮ ኣዝመራ ተካ “እቲ ፀገም ዓዲ ኹሉ ኣትዩ ስለዝኾነ ሎማዓንቲ ተዓፂና ከይንውዕል ስለዝገበሩ ክብረት ይሃበልና” ኢላ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብምኽንያት ዝተኣወጀ ኲናት ፍልፍል ኣታዊአን ዝነበረ ስራሕ ስለዝተዓፀወ ምስ ኣርባዕተ ደቀን ንሕሱም ጥሜት ምቅልዓ ሓቢራ።

ኣካያዲ ስራሕ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ከራድዮንን ኣተሓባባሪ ባዕልና ንባዕልናን ኣይተ ኣማኑኤል ገብረፃድቃን ምስ ጉጅለ ድራማ እንዳ ትሕሽ ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ፍልፍላት እቶት ብምትእኽኻብ በቢመዓልቱ 250-300 ንዝበፅሑ ዝተፀገሙ ወገናት ቁርሲ የቕርቡ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ዝህብዎ ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ካብ ዘተኣኻኸብዎ እቶት ከምዝጥቀሙ ዝጠቐሰ ኣይተ ኣማኑኤል “ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ተኸቢቡ ኣብዘለሉ ከቢድ ኩነታት ብምድግጋፍ ክሕለፍ” ከምዝግበኦ ተዛሪቡ።

እቲ ህዝቡ ንምውሓስ ኣብ ግንባር ዝኳሻሕ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ህይወት እቲ ኣብ ገዝኡ ዝገደፎ ህዝቢ ምውሓስ “ግቡእና ከምዝኾነ ኢና ንኣምን” ዝበለ ኣይተ ኣማኑኤል ገብረፃድቃን ህዝቢ ትግራይ እቲ ፈተና ብስሙር ምውዳዱ ተሓጋጊዙ ከምዝሓልፎ ጠቒሱ።

ብምኽንያት ኣካላዊ ጉድኣት ብዊልቸር ዝንቀሳቐስ ኣይተ ፍሰሃ ዘወልዲ “ኣብ ፀሓይ ኣብ ቁሪ ኣብ ደገሰላም ቤተክርስትያን ብጥሜት ኢና ንሳቐ ዘለና” ብምባል ንዝተገበረሉ ግልጋሎት ምሳሕ ኣመስጊኑ።

“እዞም ኣሕዋትና ፅጉማት ብሓደ ክንውዕል ኢልኩም ተገዲስኩም ባንኪ ኣብ ዝተዓፀወሉ ሃፍታምን ድኻን ማዕረ ዝጠምየሉ እዋን ገንዘብ ብምትእኽኻብ ስለዝኣንገድኩምና ክብረት ይሃበልና” ክብል ተዛሪቡ።