ማሕበረሰብ ዓለም ምፅናት ዘርኢ ንምክልኻል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኣይስ ፀዊዓ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብህልቀት ተጋሩ ካብዝጠዓስ ሎሚ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ዝተፈጠረ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ንምክልኻል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኣይስ ፀዊዓ።

ኣካያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ብስራት መስፍን “ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነ ትግራዋይ ዝካየድ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ” ብህፁፅ ጠጠው ከብል እንተዘይክኢሉ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰብ ሰራሕ ጥሜትን ዓፀቦን ይሳቐ ብምህላው እዚ ተግባር ሰባት ጠጠው ከብል እንተዘይክኢሉ “ማሕበርሰብ ዓለም እውን ሞራላውን ታሪኻውን ተሓታትነት ኣለዎ” ክብል ኣይተ ብስራት ተዛሪቡ።

ብ1977 ዓ.ም ጓል ሰለስተ ዓመት ኮይና ብሕሱም ጥሜት ካብ ሙማት ብቦብ ጊልድ ኦፍን ካልኦት ንሰብኣዊነት ዝሕለቑ ተሓባበርቱን ህይወታ ዝደሓነት ወይዘሮ ብርሃን ወልዱ ብወገና “ኣነ ብተፈጥሯዊ ድርቂ ብዘጋጠመ ጥሜት ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ድሕሪ ውሱናት ዓመታት ሎሚ ደቀይን ህዝበይን ብሰብሰራሕ ምኽንያት ብዝተፈጠረ ጥሜት ይሳቐዩ” ምህላዎም ከምዘሕዘና ተዛሪባ።

ንቦብ ጊልድ ኦፍ ሓዊሱ ንሰብኣዊነት ንዝጣበቑ ኣካላት ፃውዒት ህፁፅ ስጉምቲ ምኽፋት ዕፅዋን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝሓተተት ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኣይስ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ምብራሱ ማሕበረሰብ ዓለም ክበፅሐሉ ኣተሓሳሲባ።