መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ወገናት ዝገበሮ ደብዳብ ካብ ወታደራዊ ዕላማ ወፃኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቅድሚ መዓልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ደደቢት ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ብዝገበሮ ሰለስተ ጊዜ ደብዳብ ድሮን ካብ ወታደራዊ ስፍራ ናፃ ዝኾነን ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ፍፃመን ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ ድሮን ሰብ ብድቁሱ ዝተገበረ እንትኾን ልዕሊ 50 ዝኾኑ 11 ህፃናት ዝርከብዎም ወገናት ከምዝሞቱን ልዕሊ 100 ዝቑፀሩ ድማ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበፀሖም መግለፂ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ገሊፁ።

እቶም ግዳያት ብሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ወገናት እንትኾኑ ካብ ማሙቕ መንበሪኦም ሂወቶም ከትርፉ ወፅዮም ኮይኑ ግና ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዘይተናገፉ ዝተዛረቡ ድማ ቤተሰብ እቶም ግዳያት እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት ኤሬትራ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣብ ዓዲ ፀፀር ጥቓ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝርከብ ቦታ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ምጅማሩ መግለፂ ዝምድናት ቤት ፅሕፈት ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ ከምዝበሎ እዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ካልኦት ተሓጋገዝቶምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ገበን ጆኖሳይድ ከም ተራ ነገር ተርእዩ ሱቕታ ማሕበረሰብ ዓለም ብኸመይ ከምዝቐፀለ ግልፂ ከምዘይኮነን ሐዚ እዉን ኣብ ልዕሊ ኣብዞም ገበነኛታት ጥንኩር ወሳነ ንኽዉሰን ፃዉዒት ቀራቡ።

ኮይኑ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ዉሽጥን ግዳምን ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ዘይዛሪ ጆኖሳይድ ንዘላቒ ዉሕስነትን ሰላምን ክረጋገፅ ኩሉ ትግራዋይ ናብ ሜዳ ክዉሕዝ ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጲያ እዚ ጠጠዉ ዘየበሎ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ናይ መወዳእታ ተሓታትነት ክወስደሉ ኣብ ዝግበኦ ብርኪ ከምዝበፀሐ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።