ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጀኖሳይድ ብስእልን ቅርፅን ኣብ ዝቐረበሉ ኤግዚብሽን ዝተሳተፉ ተጋሩ ፈተናታት ንምብርዓን ብስምረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ተስፋ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ብሕብራዊ ቅብኢ ስእሊን ቅርፅን ዝተሰነየ ኤግዚብሽን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ብተጋሩ ሰኣልትን ቀረፅትን ዝተዳለወ ሕብራዊ ስእልታትን ቅርፃ ቅርፅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ጥሜት፣ ፆታዊ ዓመፅን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ማእሰርትን ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ስርዓታዊ ኣካይዳ ብስእላዊ መልክዕ ቀሪቡ።

ነዚ ኹሉ ወራር ቀንዲ ምኽንያት ኣብቲ ሰላማዊ እዋን ዝነበረ ምንፅፃል ውሽጣዊ ስምረት ተጋሩን ፖለቲካዊ ውድቀትን ከምዝኾነ ንምምልኻት ዝቐረበት ኣብ ሓንቲ ሸሓነ መኣዲ ትግራይ ዝዓለበ ሃመማ ተርኢ ስእሊ ቀልቢ ተዓዘብቲ እቲ ኤግዚብሽን ስሒባ።

ኣብቲ ኤግዚብሽን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተሳተፉ ቀሺ የማነ ብርሃን “ሃመማ ኣብ ዝረሰሐ ቦታ እዩ ዝርከብ ዓርስና ውሽጥና ስለዝረሳሕና ናይ ውሽጥና እዩ እዚ ኹሉ ፀገም ፈጢሩ እምበር ካብ ደገ ድንገት ዝመፅእ ነገር የለን” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝተኻየደ ወራር “ናብዚ ብርኪ ዘብፀሐ ምዝሕሓል ዘምፀአ ምድኻም ትግራዋይ ሓድነትና እዩ ሎሚ ከዓ ፀላእቲ መንገዲ ዝመርሕ ኲናት ዝመርሕ ትግራዋይ ሒዞም እዮም ጀሚሮምዎ” ብምባል ኣብሪሆም።

ኣብቲ ኤግዚብሽን ዝተሳተፈ ዶ/ር ፍሰሃ ሓድጉ “ተጋሩ ዝረአ ጉድለትና እቲ ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ብምንሊክ ብሃይለስላሰ ብደርጊ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ግፍዒታት መንነታዊ ፅንታ ምዃኑን ሎሚ እውን ከምዘይድቅሱልና ምርሳዕና” ባህሪ ፀላኢ ዘይምንባብ ነዚ ሎሚ ዝተፈፀመ ግፍዒ ከምዘቃለዐ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ተጋሩ “ፀገም ኣብ ዝመፀ ምትሕብባር እምበር እቲ ፀገም ምስ ሓለፈ ንቕድሚት ክንወፅእ ኢልካ ዘይምሕሳብ እዚ ጉድለትና እዩ” ብምባል ንዘላቒ ረብሓ ትግራይ ምእማት ከምዘድሊ ገሊፁ።

ብቀራፂ ገዛኢ ፍትዊ ዝተዳለወ ምስልታት ሓወልቲ ኣክሱም ነንባዕሎም ተጓኒፆም ደኒኖም ዘርኢ ቅርፂ “ተጋሩ ኣብ እዋን ሰላም ነንባዕልና ንጋጮ ኣብ እዋን ፀበባ ሓደ ንኸውን ሎሚ ግን ትግራይ ንምቕናዕ ኩሉግዜ ብክትዕን ምይይጥን ብስምረት ክንሰርሕ ከምዝግበአና እዩ እቲ ሐዚ ዝተፈጠረ ኩነታት ዘምህረና ዘሎ” ክብል ቀራፂ ገዛኢ ኣብሪሁ።

ዶ/ር ፍሰሃ ሓድጉ ብተመሳሳሊ “ተጋሩ ኣብ ፀገም ግዜ ተሓባቢርካ ኣብ ፅቡቕ ግዜ በቢበይንኻ ምኻድ እውን እቲ ዓብዪ ጉድለትና እዩ ኣብ ፀገም ይኹን ፅቡቕ ግዜ ተሓባቢርና ሕልምታትና ጋህዲ ንምግባር ተዋዲድና ክንሰርሕ” ከምዝግባእ ጠቒሱ።

ጋመ ዝተቖነነት ትነብዕ ህፃን ዝቐረፀ ዳዊት ተስፋስላሴ ኣብ ህፃናት ትግራይ ዝተፈፀመ ፆታዊ ዓመፅን ብግፍዓዊ ጨፍጫፍ ወረርቲ ሓይልታት ወለዶም ስኢኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሕሱም ጥሜት ንዝርከቡ ህፃናት ትግራይ ትገልፅ ከምዝኾነት ሓቢሩ።

ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ ዕሸል ኮይና ብጥሜትን ግፍዕታት ወረርትን ከቢድ መከራ ኣሕሊፋ ኣብቲ ድሕረባይታ ዝረአ ስእሊ ኣዕፅምቲ ስውኣት ሕሉፍ ወለዶ እናዘከረት ሎሚ ድማ ብወረርቲ ዝተቐተለ መንእሰይ ወዳ ሓቒፋ ኩሉነገር ዝፀልመታ “ሎምስ ኣይወግሕን ድዩ?” ኢላ ዝሓዘነት ኣዶ ፊት ንፊት ትረአ።

እዛ ሬሳ ውላዳ ሓቒፋ ከይተነብዕ እኳ ዝተኸልከለት ምስሓዘናን ጓሂኣን ግን ኣብ ሓደ ኢዳ ተስፋ ውላድ ዘመላኽት እንቁላሊሕ ሒዛ ኣንዊሓ ትጥምት ትግራወይቲ ኣዶ ዘቕረበ ሰኣሊ ሓበን ሓጎስ “ኣብ ውሽጢ እዚ ኹሉ ስቓይ እውን ጭላንጭል ብርሃን ከምዘሎ” ንምምልኻት ከምዘቕረባ ተዛሪቡ።

ተሳታፊት እቲ ኤግዚብሽን ወይዘሮ ኣበባ ገብረኪዳን “ኣብ ልዕሊ ኣዶ ትግራይ ዝወረደ ግፍዒ ዘሕዝን እዩ ግን ከዓ ኮፍ ኢልካ ክትሓዝን እኳስ ዕድል ዝህበካ ስለዘየለ ደቀይ ንቓልሲ ኣሰሊፈ ኣነ እውን ኣብዚኣ ኮይነ ዝኽእላ ይገብር ኣለኹ” ብምባል ገሊፃ።

ህዝቢ ትግራይ እንትውረር ሰራዊት ከምዘይነበሮን እቲ ናይ ሎሚ ሰራዊት ትግራይ ግፍዕን ጭቆናን ህዝቡ ንምቕንጣጥ ወለዱ ዝነበረቶ ክዳን ሂቦም ዝሰነይዎ ከምዝኾነ ንምምልኻት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ዝለበሱ ገሊኦም ብድፉን ገሊኦም ብኮንጎ ጫማ ምስ ዕጥቆም ካብማእኸሎም ሓደ ባንዴራ ትግራይ እናተኸለ እምቢታ ትግራይን መፃኢ ተስፋ ቃልሲን ተርኢ ስእሊ ዘቕረበ ሰኣሊ ኣባዲ ፀጋይ “ነዞም ኩሉም ግፍዕታት ብቃልስና ክንብድሆም ኢና” ዝብል መልእኽቲ ከምዝሓዘት ተዛሪቡ።

ወይዘሮ ኣበባ ገብረኪዳን ብወገና ሓራ ዘይወፀ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ እኳ እንተሃለወ ሳላ ስምረት ህዝባዊ ቃልሲ “ንሕና ግን ሐዚ እፎይታ ረኺብና ቃልስና ነጠናኽረሉ መንገዲ ክነስተንትን ክኢልና ኢና” ኢላ።

መንነትን ዓድን ዘለዎ ህዝቢ ክብሩ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ዝገለፀት ወይዘሮ ኣበባ “ንዓድና ንመንነትና ምቅላስ ምስዋእ ክብሪ” ከምዝኾነ ሓቢራ።

ቀሺ የማነ ብርሃን ብወገኖም “ኣብ ታሪኽ ትግራይ በብግዚኡ ዝደጋገም ዘሎ ወራር ዘላቒ መፍትሒ ብዘውህብ መልክዑ እዚ ፀበባ ብምድግጋፍን መፃኢት ትግራይና ብምሕሳብን ክንወፆ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዶ/ር ፍሰሃ ሓድጉ ሕሉፍ ታሪኽ ብልክዑ ብዘይምድህሳስን ንትውልዲ ብዘይምምሕልላፍን ነዚ ሓዱሽ ወለዶ እውን ኣብዚ ከቢድ ፈተና ክወድቕ ከምዝዳረጎ ብምሕባር ኣብዚ እዋን ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ግብረመልስን ብመፅሓፍ፣ ፊልምን ካልኦት ሜላታትን ተሰኒዱ ንትውልዲ ክመሓላለፍ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ተሳተፍቲ እቲ ኤግዚብሽን ህዝቢ ትግራይን መፃኢት ትግራይን ንምውሓስ ዘኽእል መደላድል ዝፈጠረ ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ ንከውሕስ ኩለመዳይ ድጋፍ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሮም።