ኲናት ትግራይ ደዉ ንምባል ኣብይ ኣሕመድ ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ኖርወይ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ነርወይ ኣቢይ ኣሕመድ ኲናት ትግራይ ጠጠው ከብሎ ፉሉይ ሓላፍነት ኣለዎ ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ኖቤል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ መራሒ ጉጅለ ፋሺስት ኣሕመድ ኣሕመድ ቀልጢፉ ጠጠው ከብሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ሳዓራይ ሽልማት ኖቤልን እቲ ኲናት ጠጠው ናይ ምባልን ፉሉይ ሓላፍነት ከምዘለዎ እቲ ኮሚቴ ኖቤል ማዕኸን ዜና ኣጃንስ-ፍራንስ-ፕሬስን ሞርገን-ብላደት ዝተባህለ ጋዜጣ ኖርወይን ኣብዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ፡ ኣቢይ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ዝሳዓረሉ ዋና ምኽንያት ብዋናነት እቲ ቡዙሕ ዓመታት ኣቑፂሩ ዝነበረ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ደው ንምባል ብምስርሑ ከምዝኾነ ገለፁ።

ኣብ ታሕሳስ 2020 ምስቶም ምስ ኣብይ ኣሕመድን ስርዓቱን ርክብ ጠጠው ኣቢሎም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ትግራይ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ እውን ኣብሪሁ።

ብሰንኪ እቲ ዝተወለዐ ሕድሕድ ኲናት ድማ ሂወት ዓሰርተታት ኣሽሓት በሊዑን ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ድማ ከምዘመዛበለ ኣቃሊሑ።

ካብ 2020 ቀውዒ ጀሚሩ እቲ ኲናት እናተጋፍሐ ከምዝኸደን «ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብጣዕሚ ኣብ ዘታሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ኣሎ፤ ብምዃኑውን ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ኣብ ዓፀቦ ወዲቖም ዘለዉ ወገናት ብእኹል መጠን ከይሓልፍ ምግባር ፍፁም ተቐባልነት የብሉን» ክትብል ዋና መራሒት ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ኖርወይ ቤሪት ራይስ ኣንደርሰን ገሊፃ።

ኣብ ታሪኽ ክሳብ ሎሚ ኖቤል ኮሚቴ ባዕሉ ተሸላሚ ኖቤል ንዝኾነ ሰብ ዝወቕሰሉ ኣጋጣሚ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ተዓዘብቲ ይገልፁ።