ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምቅላል ዝጀመረቶ መስርሕ ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ ብኦንላይን ከምዘመሓየሸቶ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ስልታዊን ስርዓታዊን ምፅናት ዘርኢ መጠን ብማሕበረ-ኢኮነሚያዊ ቅልውላው ንሞት ዝተቓለዐ ህዝቢ ይውስኽ ኣሎ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ “ሓደ ዲያስፖራ ንሓደ ስድራ” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ገንዘባዊ ሓገዝ ዘበርክትሉ መስርሕ ኣተኣታትያ ክትሰርሓሉ ፀኒሓ እያ።

ቅጥዒ ብምምላእ ዝኽወን ዝነበረ ከይዲ ዝውውር ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ኦንላይን ወይ ዲጂታል መስርሕ ከምዝተቐየረ ገሊፃ።

ንምችውነት ኣጠቓቕማ ከይዲ ምልኣኽ ብምሕሳብ እታ ማሕበር እቲ መስርሕ ብኦንላይን ክኸውን ከምዘመሓየሸቶ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣታዊ ዝግበረሉ ኣገባብ ኣብ ዌብሳይትን ማሕበራዊ ሚድያን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተሓበረ ኮይኑ ምኽንያት እቲ ኣታዊ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ክምላእ ከምዝግባእ እታ ማሕበር ኣዘኻኺራ።

እታ ማሕበር ኦንላይን መስርሕ ሓገዝ ብምትእትታው ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ሕሱም ጥሜትን ዓፀቦን ንምቅላል ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዝርከቡ ተጋሩ እጃሞም ከበርክቱ ሓቲታ።

ካብዚ ብተወሳኺ ተጋሩ ዲያስፖራ እቲ ፕሮግራም ንካልኦት ግዱሳት ፈተውቲ ትግራይ ብምፍላጥ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ንምንካይ ዘኽእል ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻብ ኣድሂቦም ክሰርሑ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀዊዓ።