ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ብር ዘዋህለላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ንኣባልን ሰራሕተኛን ክኸፍላ ከምዘይከኣላ ሓቢረን።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ብር ዘዋህለላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ንኣባልን ሰራሕተኛን ክኸፍላ ብዘይምኽኣለን
ንቅልውላው ምቅልዐን ሓቢረን
ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መጋበርያ ፖለቲካዊ ዕላማ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ብምዃን ትካላት ፋይናንስ ትግራይ ምዕፃው ስዒቡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ይሰፍሕ ምህላው ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን መሓዙትን ኣፍሊጠን።

እተን ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ መነባብሮ ኣብ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ዘገልግላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ናይ ምዕፃው ስጉምቲ ስዒቡ ዝውውር ፋይናንስ እተን ትካላት ምቁራፁ ሓቢረን።

ከም ኣገላልፃ ኣመራርሓ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን መሓዙትን ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ብር ዕቋር ዘዋህለላ እኳ እንተኾና ነቶም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ዕፅዋ ኣብ ሓደጋ ሃለዋት ዝጠሓሉ ኣባላተን ክድግፋ ዘይምኽኣለን ጠቒሶም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣይተ ጎይቶኦም ተስፋይ “ትካልና 800 ሚልዮን ዕቋር እኳ እንተሃለወና ብሰንኪ ምቁራፅ ዝውውር ፋይናንስ ንዝተሸገሩ ኣባላትና ክንበፅሐሎም ኣይከኣልናን” ብምባል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን “ሓፈሻዊ ዓቕሚ ትካልናን ኣባላታን ተቆሪኑ እዩ” ዝበለ ኣይተ ጎይተኦም ኣብ ኣባላት እታ ማሕበር ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ማህሰይትን ሞትን ይቃላዕ ምህላው ገሊፁ።

ምክትል ኣካቢ ቦርድ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣይተ መብራህቱ ሃይላይ ብወገኑ ልዕሊ 345 ሚልዮን ብር ካፒታል ዘለዋ ትካሉ ብምኽንያት ዕፅዋ ባንክታት “ንሰራሕተኛታት መሃያ ክትከፍል ስለዘይከኣለት 24 ሰብሞያ ስራሕ ጠጠው ከብሉ” ከምዝገበረት ኣብሪሁ።

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መሳርሒ ፖለቲካ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድ ብምዃን ትካላት ፋይናንስ ትግራይ ምዕፃዉ ስዒቡ ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ዝውውር ጥረ ገንዘብ ብዘይምህላው ካብ ኣባላታ ዝቐርበላ ሕቶታት ህፁፅ ድጋፍ ገንዘብ ክትምልስ ከምዘይከኣለት ኣይተ መብራህቱ ሓቢሩ።