ብቀዳማይ ዙር ወፍሪ ክታበት 145ሽሕን473 ህፃናት ከምዝተኸተቡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ክንክን ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከይተኸተቡ ዝፀንሑ ህፃናት ስለዝነበሩ ወፍሪ ክታበት ህፃናት ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ።

ትካላት ጥዕና ብወረርቲ ሓይልታት ብምዕናወን ስርዓት ጥዕና ትግራይ ምዝብዑ ስዒቡ “ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከይለዓል ስግኣት ስለዘሎ እቶም ህፃናት በቲ ሕማም ንከይጥቅዑ” ዝዓለመ ክታበት ከምዝኾነ ኣይተ ገብረሃወርያ ተዛሪቡ።

እቲ 23-29 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ግእዝ ንመቐለ ሓዊሱ ኣብ 9 ከተማታት ትግራይ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ክታበት ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ዘጠቓለለ ምንባሩ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማታት ማይጨው፣ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ዓዲግራት፣ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረን ሸራሮን 145ሽሕን 473 ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ከምዝተኸተቡ መተሓባበሪ ክንክን ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ዋሕዲ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ናዳዲን እቲ ወፍሪ ክታበት ብሓደ ግዜ ኣብ መላእ ትግራይ ምክያድ ከምዘይተኽኣለ ዝጠቐሰ ኣይተ ገብረሃወርያ ካልኣይ ዙር ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ኣብ ወረዳታት ትግራይ ንምሃብ ከምዝተለሙ ገሊፁ።