ከተማ ዛላምበሳ ቀጠና ስግኣት ብምዃና ኩነታት ስድረአን ከምዘሻቐለን ካብታ ከተማ ዝተመዛበላ ደቂ-ኣነስትዮ ተዛሪበን።

ብሰራዊት ኤርትራ፣ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተቐማጦ ዛላምበሳ ብምቕንፃል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ወራር ሎሚ እውን እታ ከተማ ቀጠና ስግኣት ብምዃና ኩነታት ስድረአን ከምዘሻቐለን ካብ ዛላምበሳ ተመዛቢለን ኣብ መቐለ ዝርከባ ደቂ-ኣነስትዮ ሓቢረን።

ኣብታ ከተማ ዕጡቕ ኣብዘይነበረሉ ኩነታት ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ኢሉ ብደብዳባት ከቢድ ብረት ከምዝደብደባ ዝሓበራ እተን ተመዛበልቲ ንማይን መብራህትን ሓዊሱ መሰረተ-ልምዓት እታ ከተማ ምዕናው ተዛሪበን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ናብታ ከተማ ምእታው ይኹን ካብታ ከተማ ምውፃእ ምኽልካሉ ስዒቡ ኩሎም ሜላታት መራኸቢ እውን ብምዕፃዎም ደሃይ ስድራኣ ክትረክብ ከምዘይከኣለት ወይዘሮ ሰላማዊት ወላይ ገሊፃ።

“ሰራዊት ኤርትራ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ ከባቢ ስለዝኾነ ቤተሰብና ኩሉ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ኣይንፈልጥን” ብምባል ተዛሪባ።

ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳ “ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብኩለመዳይ ተዓፅዩ ምውፃእ ምእታው ስለዝተኸልከለ ኣብኡ ዝገደፍኩዎም ቤተሰበይ ምግቢ እንታይ ይገብሩ ይህልው ኢለ እንትሓስብ ድቃስ ኣይወስደንን” ክትብል ወይዘሮ ሰላማዊት ወላይ ሓቢራ።

ብሰንኪ እቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዛላምበሳን ከባቢኣን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ዘበጋግስ ምትእትታው ስድራኣ ናብ ፋፂ ተመዛቢሎም ክነብሩ ከምዝተገደዱ ወይዘሪት ፀጋ ገብረመድህን ተዛሪባ።

ወይዘሪት ፀጋ ወሲኻ ሰራዊት ኤርትራ ካብን ናብን ዛላምበሳ ምንቅስቓስ ስለዝኸልከሉ “ህዝቢ እታ ከተማ ንመሰረታዊ ቀረባት ምግቢ ሓዊሱ ረዲኤት እውን ክ ኣቱ ብዘይምኽኣሉ ከጋጥሞ ዝኽእል ቅልውላው” እንትሓስብ ከምትርበሽ ገሊፃ።

ካብ ከተማ ዛላምበሳ ህይወታ ንምድሓን ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ መቐለ ዝተዓቖበት ወይዘሮ ፀጋ ከበደው ብወገና “መብራህቲ ይኹን ካሊእ ግልጋሎት ስለዘየል እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስቓይ” ከምዝገደፈቶ ሓቢራ።

እቲ ከባቢ ፀላኢ ዝንቀሳቐሰሉ ብምዃኑ ሃላዋት እቶም ዝተረፉ ስድራኣ ከምዘተሓሳስባ ዝገለፀት ወይዘሮ ፀጋ “እታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምትሕውዋስ ኣሓት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘድመቕናላ ዛላምበሳ ሎሚ ቀጠና ስግኣት ምዃና” ከምዘሕዘና ተዛሪባ።