ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ 114 ወገናት ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ብብርኪ ትግራይ 97169 ምርመራ ብምክያድ 9122 ሰባት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ምክልኻልን ግብረመልስን ኮሮና ቫይረስ ዶ/ር ሓርነት ኣዳነ ኣፍሊጡ።

ሕፅረት ናውቲ ሕክምና ኮሮና ቫይረስ ንክትትልን ምክልኻልን ዓንቃፊ ከምዝኾነ ዝገለፀ ዶ/ር ሓርነት ካብቶም ሓሚሞም ናብ ትካላት ጥዕና ዝመፁ ሕሙማት እቶም 114 ወገናት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ምልክታት ኣርእዮም ኣብ ዝተመርመሩ አባት ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ 27 ሚእታዊ ሚኢታዊ ከምዝበፀሐ ተፈሊጡ።

ብሕፅረት ናውቲ ሕክምና ኮሮና ቫይረስ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ወገናት ጥራሕ ክሕከሙ ይግበር ከምዘሎ ዝሓበረ ዶ/ር ሓርነት ቅድሚ ኲናት ምውልዑ 0.9 ሚእታዊ ዝነበረ መጠን ሞት ሎሚ ናብ 2.5 ሚእታዊ ምዕባዩ ኣብሪሁ።

ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ከቢድ ጥሜትን ብምጥሓላ ምልባዕ እቲ ሕማም ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሃሰዮ ዝገለፀ መተሓባበሪ ኣለሻን ትንተናን ሓበሬታ ኮሮና ቫይረስ እቲ ቢሮ ኣይተ ደስታ ብርሃነ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘጋጠመ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ንምግዳድ መጠን ምልባዕ እቲ ሕማም ምኽንያት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ትካላት ጥዕና ትግራይ ብምዕናዎም ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘተኣጓጎሎ እቶም ሰብሞያ ሓቢሮም።