ኣብ ትግራይ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ክሕከሙ ካብዝፀንሑ ህፃናት ልዕሊ 1300 ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትካላት ጥዕና ክሕከሙ ካብዝፀንሑ ህፃናት እቶም 1300 ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ማሲኖም ኣብ ትካላት ጥዕና ክሕከሙ ካብዝፀንሑ 2000 ህፃናት እቶም 1300 ምሟቶም መተሓባበሪ ኬዝቲም ስርዓት ኣመጋግባ እቲ ቢሮ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ ንኣክሱማይት ሚድያ ተዛሪቡ።

ንሓደ ዓመት ዝፀንሐ ምምማይ ሕፅረት ምግቢ ዘለዎም ህፃናት ከምዝተኻየደ ዝጠቐሰ ኣይተ መንግሽ “1.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ንሕፅረት ምግቢ ምቅልዖም” ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሁ።

ካብቶም ንሕፅረት ምግቢ ተቓሊዖም ዝተረኸቡ ህፃናት “እቶም ልዕሊ 400 ሽሕ ብማእኸላይ ሕፅረት ምግቢ” ይሳቐዩ ከምዘለው ተዛሪቡ።

ትካላት ጥዕና ትግራይ ብምዕናወን ሕፅረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህፃናት በቢከባቢኦም ዝሕከምሉ መስርሕ ከምዘየለ ዝሓበረ መተሓባበሪ ኬዝቲም ስርዓት ኣመጋግባ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ “ሎሚ ድማ ብኩለመዳይ ዕፅዋ እተን ዝተረፋ ውሑዳት ትካላት ጥዕና እውን ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ግልጋሎተን ከቋርፃ ይግደዳ” ምህላወን ገሊፁ።

ብሰንኪ “ግዱድ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትካላት ጥዕና ክሕከሙ ካብዝፀንሑ 2000 ህፃናት እቶም ልዕሊ 1300 ሞይቶም” ክብል ሓቢሩ።

ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ሕክምና ካብዝኣትው ህፃናት እቶም 65 ሚእታዊ ንሞት ከምዝተቓልዑ መረዳእታ ምምማይ ሕፅረት ምግቢ ዘለዎም ህፃናት እቲ ቢሮ የመላኽት።

ኣብ ትግራይ 6.3 ሚልዩን ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዩ ህዝቢ እንትኸውን “500 ሽሕ-800 ሽሕ ህፃናት ንዝገደደ ዓፀቦን ሕሱም ጥሜትን ብርኪ” ከምዝበፅሑ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሴ ኣዘኻኺሩ።