ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዘካየዶ ደብዳብ ኣንፃር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘቕነዐ ከምዝኾነ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው መንግስቲ ትግራይ ዝኣወጆ መዓልቲ ሓዘን ኣመልኪቱ ንኣክሱማይት ሚድያ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትካላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዘካየዶ ደብዳብ ድሮን ንዝፈረመሎም ዓለማዊ ሕጊታት ሓለዋ ተመዛበልቲ ከምዘይግዛእ ዘርኣየሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ተመዛበልቲ ካብቶም ንመጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ብምዃኖም ብውድብ ሕቡራት መንግስታት “ዓለምለኻዊ ከለላ ሕጊ” ዝተገበረሎም ኣካላት ከምዝኾኑ ዝሓበረ ኣይተ ሙሉጌታ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝፈረመሉ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ተጋሩ ተመዛበልቲ ብህሩሶም ዘካየዶ ደብዳብ ኣንፃር መትከላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘቕነዐ” ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ህይወቶም ንምድሓን ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓላፊ ሃላዋቶም ዝፈታተን ከቢድ ኩነታት ሓሊፎም ኣብ ውሕስና ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ኣተው ብምጭፍጫፎም ከምዘሕዘኖ ኣብሪሁ።

ተመዛቢሎም ካብ ዝመፁ “ድሕሪ መዓልቲታት እዩ ጨፍጪፍዎም” ዝበለ ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ “ድፍረት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ተመዛበልቲ ተጋሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እውን” ምዃኑ ሓቢሩ።

ደብዳብ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ሰራሕተኛታት ረድኤት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባር ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ብዘይሻራዊ ኣካል ተፃርዩ ተሓታትነት ክረጋገፅ ፀዊዑ።

ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ንስድራ እቶም ብግፍዓዊ ጨፍጫፍ ዝተቐተሉ ወገናትን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ፅንዓት ብምምናይ ዘላቒ መፍትሒ ንምርካብ ህዝቢ ትግራይ ሃላዋቱ ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከጠናኽር ሓቲቱ።