ኣብ ከተማ መቐለ ዝፀንሑ 20 ሽሕ ተመዛበልቲ ናብ ቤቶም ይምልስ ከምዘሎ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጆ ዕፅዋን ክባን እቶም ተመዛበልቲ ንሞትን ሕሱም ጥሜትን ምቅልዖም ዝሓበረ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ሓራ ካብ ዝወፁ ከባብታት ዝመፁ ተመዛበልቲ ይምልስ ምህላው ኣፍሊጡ።

ካብ ወረዳ ሓውዜን ዝተመዛበለ ኣይተ ገብረስላሰ ተኽላይ “ኣብ መስከረም 15 ኪሎ ስርናይ ተዋሂብና ድሕሪኡ ብሰንኪ ጥሜት ማሲንና ንተደረብቲ ሕማማት ንቃላዕ ኣለና” ኢሉ።

ኣይተ ገብረስላሰ ወሲኹ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ብምዃኑ” ኣብ ከቢድ ስግኣት ምጥሓሉ ተዛሪቡ።

ወይዘሮ ታሕጓስ ግደይ ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታትን ማእኸል ተመዛበልትን ዝግበር ዘሎ ደብዳባት ናብ ወጥሪ ከምዘእተዋ ሓቢራ።

ካብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ሓበን ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ዝፀንሑ ቀሺ ገብረኪዳን በርሀ ብወገኖም ብሰንኪ ሕሱም ጥሜት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ሽንድሕን ሓዊሱ 3 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሮም።

“ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲሽንድሑን ምሳና ዝነበረ ኣይተ ነብሮም ኣለማዩህ ብሰንኪ ጥሜት ስለዝሞተ ንሕና ኣብዚ ኮፍ ኢልና ንሞት ክንፅበ ኣይተርኣየናን” ክብሉ ገሊፆም።

ናብ ቤቶም ክምለሱ ከምዝደልዩ ዝሓበሩ ቀሺ ገብረኪዳን “በሉ ውሰዱና እንተበልናዮም ዘንጊዖምና” ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ትግራይ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ሓራ ካብ ዝወፃ ተነፃፃሪ ሰላም ዘለወን ከባብታት ትግራይ ዝመፁ ተመዛበልቲ ይምልሱ ከምዘለው ገሊፁ።

ጥሜትን ደብዳብን ብተነፃፃሪ ኣብ ገጠር ከምዝሓይሽ ዝሓበረ ኣይተ ሙሉጌታ “ካብ መቐለ ዝምለሱ 20 ሽሕ ዝኾኑ በቢዞብኡ እውን ነናብ መረበቱ ናይ ምምላስ ስራሕ” ይካየድ ምህላው ተዛሪቡ።