ኣብ ትግራይ ብስእነት መድሓኒት ምስ ወሊድ ተዛሚዱ ብኣሸሓት ኣዴታት ይሞታ ምህላወን ተገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘካየደ ዕፅዋ ዝተማለአ ሕክምና ኣዴታት ትግራይ ሓዱሽ ዕሸል ናብዚ ምድሪ ንምምፃእ ሕልሚ ከምዝኾነን blog.Ethiopianeursurgery.com ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ካብ 1000 ሰብ ዉሽጢ 36 ዉልደታት ኣለዉ ተባሂሉ ከምዝግመትን እዚ ድማ ኣብ ዓመት 252 ሽሕ ሓዱሽ ወልዶ ይዉለድ ተባሂሉ ግምት ይቕመጥ።

ኢትዮጲያ ቅድሚ ወራር ምፍፃማ ኣከባቢ ምስ ምኽልካል መድሓኒት ተተሓሒዙ ካብ 100 ሽሕ ሂወት ብማእኸላይ ናይ ኣዴታት ሞት 266 ከምዝነበረ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘዉፀኦ ፀብፃብ የመላኽት።

ፕሮፌሰር ቶኒ ማጋና ዝተብሃለ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብዝሃቦ ምስክርነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዝወሰኖ ዕፅዋን ክልከላን መድሓኒት ባንኪ ደም ንምክያድን ምስ ወሊድ ዝተተሓሓዙ ሕክምናታት ምክያድ ከምዘይተኽኣለን ገሊፁ።

ኣተሓሒዙ እዉን ፕሮፌሰር ቶኒ ሓደገኛ ድሕረ ወሊድ ደም ምፍሳስ ጠጠዉ ንምባል ምንም ዓይነት መድሓኒት ከምዘየለን ምስ መጥባሕቲ ዝተተሓሓዘ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘየለ ብምግላፅ በቢመዓልቱ ዝወልዳ ደቂ ኣነስትዮ ይመፃ ምንባረንን ዋሕዲ ደም ንምሽፋን ዝኽእል ዓቕሚ ስለዘይህሉ ሐዚ እተን ደቂ ኣነስትዮ ብሂወት ዘይክህልዋ ይኽእላ እየን ክብል ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓይደር ኮምፕህሬንሲቭ ስፔሻላይዝድ ክፍሊ ኣብ ዝነበሮ ልምዲ ክምስክር ይኽእል እየ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ ወሊድ ዘሎ ደም ምፍሳስ፣ ንህፃናት መተንፈሲ ኣካላት ዉድቀት ( ኦክስጅን )፣ መሕፀቢ ጋብላታት፣ ናይ ኢንፌክሽን ሲፔሲስ፣ ( ኣንቲ ባዮቲክስ ወይ ከዓ ደም ወሰድቲ ቡምባታት ከምዘየለዉን ነዚ ድማ ነቲ ሞት ኣዴታት ዓብዪ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ፕሮፌሰር ቶኒ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ናይ ሴፋሎፕሎቪክ ዘይምምጥጣን ኣብ ናይ ጥንሲ ኣዴታት ከቢድ ፍርሕን ጭንቅን ዝፈጥር ብምዃኑ ናይ ሞት መጠኑ ብኡ ልክዕ ከምዝበዝሕ ዝገለፀ ፕሮፌሰር ቶኒ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሞት ኣዴታትን ህፃናት ምስ ዝሓለፉ ሚኢቲ ዓመታት ክነፃፀር ኣይኽእልን ክብል ነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊሑ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ብሓደ ወገን ብጥምየት ብኻልእ ወገን ድማ ብስእነት ሕክምና ሂወቱ ይስእን ምህላዉን ኣብ ሰብ ሙያ እቲ ሕክምና እዉን ዓብዪ ተፅዕኖ ዝፈጠረ ጉዳይ ምዃኑ እናገለፁ መፅዮም እዮም።