መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘንበሮ ዕፅዋ ልዕሊ 6.5 ሚልዩን ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ንኩለመዳይ ቅልውላው ከምዝተቓለዐ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበሮ ዕፅዋን ክባን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓገዝ ብዘይምእታው 6.5 ሚልዩን ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ንኩለመዳይ ቅልውላው ከምዝተቓለዐ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ንኣክሱማይት ሚድያ ከምዝገለፆ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ኮነ ኢሉ ይሰርሕ ምህላው ኣብሪሁ።

“ኣብዚ ወርሒ እዚ ምንም ዝኣተወ ሓገዝ የለን” ዝበለ ኣይተ ሙሉጌታ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጥሜትን ዓፀቦን ከምዝተቓለዐ ሓቢሩ።

ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ካብ መረበቱ ምምዝባሉ ዝጠቐሰ ግዝያዊ መተሓባበሪ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከብ ህዝቢ ንጥሜትን ሞትን ከምዝተዳረገ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቅልውላው ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጋደደ እንትኸይድ መጠን እቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝፀንሐ ዓለምለኻዊ ሓገዝ እናነከየ መፂኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓገዝ ጠቕሊሉ ከይኣቱ ብምኽልካል ህዝቢ ትግራይ የፅንት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብቲ ንትግራይ ዘድሊ መጠን ሓገዝ 10 ሚእታዊ ጥራሕ ይኣቱ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ኣይተ ሙሉጌታ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕፅዋ ኮሪደር ሰብኣዊ ሓገዝ ብምጥንኻር ናብ 1ሚእታዊ ሎሚ ድማ “ንወርሒ ዝኣክል ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ዘይኣተወሉ” ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፁ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ኣማራፂታት ቅሩብ ብዘይምዃኑ “ሰላም ብምህለላ ኣይርከብን” ዝበለ ግዝያዊ መተሓባበሪ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣይተ ሙሉጌታ ደባልቀው ህዝቢ ትግራይ ሃላዋቱ ንምውሓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ዕፅዋታት ንምፍንፃሕ ብስምረት ክሰርሕ ፀዊዑ።