ኣብ ትግራይ ንከቢድ ሕፅረት ምግቢ ካብ ዝተቓልዓ 78 ሚእታዊ ጥኑሳትን መጥበውትን ኣዴታት እትን 100 ከምዝሞታ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘንበሮ ዕፅዋ ስዒቡ ንከቢድ ሕፅረት ምግቢ ካብ ዝተቓልዓ 78 ሚእታዊ ነፍሰፁርን መጥበውትን ኣዴታት እትን 100 ከምዝሞታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

መተሓባበሪ ኬዝቲም ስርዓት ኣመጋግባ እቲ ቢሮ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ “ምምማይ ካብዝተገበረለን 300 ሽሕ ነፍሰፁርን መጥበውትን ኣዴታት እተን 78 ሚእታዊ ሕፅረት ምግቢ” ከምዘጋጠመን ተዛሪቡ።

ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ትካላት ጥዕና ይሕከማ ካብ ዝነበራ ኣዴታት “እተን 100 ጥኑሳትን መጥበውትን ኣዴታት” ከምዝሞታ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሴ ንኣክሱማይ ሚድያ ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ መጠን ኣብ ዘይመዓልቶም ዝውለዱ ከምኡ እውን ዘይንቡር ኣካላዊ ጉድለት ዘለዎም ኮይኖም ዝውለዱ ህፃናት ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ምህላው ገሊፁ።
ኣብታ ብዕፅዋን ክባን ካብ ዓለም ዝተነፀለት ትግራይ ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንሕሱም ጥሜትን ዓፀቦን ከምዝተቓለዐ መተሓባበሪ ኬዝቲም ስርዓት ኣመጋግባ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ መንግሽ ባህረስላሰ ጠቒሱ።

ሓላፊ ጣብያ ጥዕና ሰሜን ኣይተ ሚኪኤለ ካሕሳይ ብወገኑ “ብሕሱም ጥሜትን ዓፀቦን ዝሳቐ ህዝቢ ይውስኽ ብምህላው ብፍላይ ህይወት ኣዴታትን ህፃናትን ዘውሕስ ግዝያዊ መፍትሒ ምገባ” ክካየድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ወለንታውያን መምህራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ እቶት ብምትእኽኻብ ን536 ኣብ ሕሱም ጥሜት ዝርከቡ ኣዴታትን ህፃናትን ግልጋሎት ምሳሕን ድራርን ይህቡ ኣለው።

ነባሪት ከተማ መቐለ ወይዘሮ ትዕግስቲ ተስፋይ ”ኣብዚ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ሰዓት ሓሙሽተን ሰዓት ዓሰርተን ንምገብ ኣለና” ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ዕዳጋ ኣትክልቲ ሸቂጣ ስድራኣ ትናቢ ምንባራ ዝሓበረት ኣዶ 3 ቆልዑ ወይዘሮ ትዕግስቲ “ሎሚ ኩሉ ነገር ተዓፅዩ ብጥሜት ስለዝተሳቐና በቢመዓልቱ ናብዚ እናመፃና ንምገብ ኣለና” ትብል።

ልዑል ተቃላዓይነት ጥሜት ዘለዎም ህፃናት፣ መጥበውቲ ኣዴታትን ጥኑሳትን ይምግቡ ምህላዎም ዝሓበረ መምህር ሕብረተሰብ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሞላ ተፈሪ ምገባ ህይወት ኣድሕን “ኣብ ጣብያታት ጥዕና ሰሜን፣ ዓዲሓን ሞሞናን” ይካየድ ምህላው ሓቢሩ።
ኣብ ጣብያ ጥዕና ሰሜን ኣብ ዝካየድ ምገባ ዝረኸብናያ ነባሪት ክፍለከተማ ዓይደር ጣብያ ሰርፀ ወይዘሮ ፀጋ ገብረሚካኤል ብስራሕቲ ፅሬት ክትመሓደር ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ እዋን ዕፅዋ ስራሕ ክትረክብ ስለዘይከኣለት ኣብ ገዛ ምግቢ ስለዝተስኣነ “ሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ ምስወለደይ እየ ሓዲገዮ መፂአ ሓንቲ ቆልዓ ከዓ ምሳይ ኣብዚ ትምገብ” ብምባል ትዛረብ።

ዕላማ እቲ ምገባ እቶት ብምትእኽኻብ “ብኩለመዳይ ተዓፅዩ ሞት ዝተፈረዶ ህዝቢ ስለዝኾነ ምስቶም ብጥሜት ኣብ ኣፍሞት ዝርከቡ ኣሓትና ሓቢርና ንሓንቲ ሰሙን ሓቢርና ንክልተ ሰሙን ሓቢርና ንኣዋርሕ እንተቐፀልና” ካብ ዝብል ምብጋሶም መምህር ሞላ ተዛሪቡ።

ንክልተ ወርሒ ኣብቲ ማእኸል ምገባ እናተገልገለት ትርከብ ወይዘሮ ፀጋ ገብረሚካኤል “ካብ ጥይት ዝተረፍና ተጋሩ ብጥሜት ከይንሃልቕ በቢከባቢኡ ምሳሕና ተኻፊልና ንቐኒ” ትብል።

ምገባ ህይወት ኣድሕን ብዝብል ቴማ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ኣፍ ሞት ንዝርከቡ ህፃናት፣ ጥኑሳትን ኣዴታትን ወለንታዊ ግልጋሎት ምገባ ምሳሕን ድራርን ከካይዱ ዝፀንሑ መምህራን ቤት ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ግዱሳት ተጋሩ ድጋፍ ብምትእኽኻብ ከስፍሕዎ ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሮም።

ፕሮፌሰር ስነ-መዓዛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣፈወርቂ መሉጌታ እዚ ጥሜትን ዓፀቦን ሰብ-ሰራሕ ብምዃኑ ታሪኻዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ከምዝኾነ ብምሕባር ኩሉ ትግራዋይ ብዝኽእሎ ብምድግጋፍ ህይወት ወገኑ ንምውሓስ ክሰርሕ ፀዊዑ።