ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝዓቀባ 11 ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ብወረርቲ ሓይልታት ምዕናወን ማሕበር ባህሊ ትግራይ ሓቢራ።

ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝዓቀባ 11 ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ብልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዋ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣፍሊጣ።

ኣብ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ማይጨው፣ ውቕሮ፣ ሓውዜን፣ ዓዲግራት፣ ዓድዋ፣ ኣክሱምን ሽረን ዝነበራ 11 ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ብትሉም ሜላ ከምዝዓነዋ ዋና ፈፃሚ ዳይሬክተር እታ ማሕበር ኣይተ ብርሃኑ ወልደሚካኤል ሓቢሩ።

ኣይተ ብርሃኑ ንኣክሱማይት ሚድያ ከምዝገለፆ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ውልድ ወለዶ ኣብ ምውርራስ ዝሰርሓ ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ምብራሶም “ኣካል እቲ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝገበርዎ ፈተነ” ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ታሪኻዊ ሰነዳት መንነት ህዝቢ ትግራይ ዝዓቀባ ህዝባዊ ኣብያተ ንባብ ዝነበረን መፃሕፍትን ካልኦት መሰረተ-ልምዓትን “ኮነ ተባሂሉ” ከምዝዓነወ ኣይተ ብርሃኑ ገሊፁ።

“ንኣብነት ኣብ ህዝባዊ ቤተ ንባብ ኮረም ዝነበረ መፃሕፍቲ ትግርኛ ክቃፀል” ከምኡ እውን ህዝባዊ ቤተ ንባብ “ኣላማጣ ዝነበረ መፃሕፍቲ ትግርኛ ብምውጋድ ብመፃሕፍቲ ኣምሓርኛ” ክትካእ ከምዝተገበረ ኣረዲኡ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተገበረ ወራር “ሓደ ኣካል ምስ መሻርኽቱ ግቡእ ምድላው እናገበረ ዝፀነሐሉ እቲ ካሊእ ከዓ እዚ ክመፀኒ እዩ ኢሉ ስለዘይሓሰበ ከክንድኡ ዝኸውን ምድላው ዘይገበረሉ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ መቓብር ትግራዋይ መንነቱ መንጢሎም ክኸብሩ ዝብህጉ ብምዃኖም መንነታዊ መግለፅታት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ትካላት እምነትን ባህልን ኣብ ምውራርን ምዕናውን ብሙሉእ ዓቕሞም ከምዝተረባረቡ ገሊፁ።

እቲ ኲናት “መንነት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ” ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዋና ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ ወልደሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ሃላዋቱ ንምውሓስ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣብ ሸትኡ ክሳብ ዝበፅሕ ኣጠናኺሩ ብስምረት ክቕፅል ኣተሓሳሲቡ።