ኪኢላታት ሰራሕተኛ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተጋሩ ከምዝጠፍኡ ተገሊፁ።

ኣጽዋርን ወተሃደራትን ብምጉዓዝ ኣብ ዓሌታዊ ምጽናት ትግራይ ዕዙዝ ተሳትፎ ዘለዎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፤ ኣብ ውሽጡ ንዝነበሩ ተጋሩ ሰራሕተኛታት ብምስቓይ ግፍዕታት ክፍጽም ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሕጂ ድማ ስግኣት ድሕነት ዘለዎም ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትያ ዝኾኑ ተጋሩ ብዝወፈሩዎ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ሲኤንኤን ኣቃሊዑ።

ካብቶም ነቲ ትካል ራሕሪሖም ዝጠፍኡ ሰራሕተኛታት እቶም ክልተ ቴክንሻናት ን36 ሰዓታት መግቢ ኮነ ማይ ማይ ከይጠዓሙ ኣብ ክፍሊ መጸገኒ እታ ነፋሪት ናብ ኣሜሪካ ከም ዝኣተዉ ውን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ መጀመርታ 4 ታሕሳስ ፡ ክልተ ተጋሩ ኣብ መኽዘን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ዝነበረት ነፋሪት ፅዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምድያብ ናብ ብራስለስ በልጅዩም ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ኪኢላታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብታ ክፍሊ ልሙድ መርመራ ክገብሩ ኣጋጣሚ ከምዝረኸቡን ብኡ ከምዘምለጡን ተገሊፁ።

ክሳብ ሎሚ 16 ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጽገና መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጠፊኦም ኣለዉ